Fana: At a Speed of Life!

ንዕዉትነት እቲ መረፃ ዘለዎ ሓገዝ ክገብር ኢየ – ኢጋድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንኽዕወት ቀፃሊ ዝኾነ ሓገዝ ክገብር ኢየ ኢሉ፡፡

እቲ መረፃ ናፃ፣ ዴሞክራሲያዊ፣ ፍትሓዊ፣ ተኣማኒን መካተቲን ንኽኸውን እጃሙ ከምዝዋፃእ ኣረጋጊፁ።

ኢጋድ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ከምዘፍለጦ÷ ልኡኽ ተዓዛቢ መረፃ ኢጋድ ምስ ትሕብብር ሲቪል ማሕበራት መረፃ ኢትዮጵያ ብምዃን ከይዲ መረፃ ምድጋፍ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘቲዩ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ሲቪል ማሕበረሰባት ከይዲታት ዴሞክራሲ፣ ምድላው መረፃን ከባቢያዊ መረፃን ኣብ ምዕዛብ ዝህልዎም ግደ ዝንልከት ልዝብ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ፡፡

ተኣማኒን መካተቲን መረፃ ንምክያድ ሲቪክ ትምህርቲ መረፅቲ ኣድላይነት ከምዝኾነ ኣብቲ ዘተ ከምዝተልዓለ እውን ተገሊፁ፡፡

እቲ ዘተ ኢጋድ ኣብ ኢትዮጵያ ናፃ፣ ዴሞክራሲያዊ፣ ፍትሓዊ፣ ተኣማኒን መካተቲን መረፃ ንኽህሉ ዝገብሮ ቀፃሊ ዝኾነ ሓገዝ ኣካል ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.