ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ከይዲ ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ከምዝድግፉ ኣረጋጊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረት ኣፍሪካን በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)ን ከይዲ ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ከምዝድግፉ ኣረጋጊፆም፡፡
መራሒ ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ሕብት ኣፍሪካ ዝኾኑ ነበር ፕሬዝዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን መራሒ ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ኢጋድ ስፔሲዮዛ ዋንዲራ ካዚብዌን ኣብ ከይዲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣመልኪቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ከይዲ ቅድመ መረፃ፣ ብዛዕባ ምውፋር ተዓዘብቲ መረፃ ከምኡ እውን ጉጅለ ተዓዘብቲ መረፃ ተዋዲዶም ክሰርሑ ኣብ ዝኽእሉሎም ተተሓሓዝቲ ጉዳያት ትኹረት ገይሮም፡፡
ክልቲኦም ወገናት ከይዲ እቲ መረፃ ሰላማዊ፣ ተኣማኒ፣ ግልፂን መካተቲን ንኽኸውን ሓገዝ ከምዝገብሩ ኣረጋጊፆም፡፡
#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያክትመርፅኢያ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል
#Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision