Fana: At a Speed of Life!

ሓደጋ ሰብ-ሰራሕ ብልሒ (AI) ንምክልኻል ብሕጊ ክምራሕ ኣለዎ – ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ሰብ-ሰራሕ ብልሒ (አርቴፊሻል ኢንተለጀንስ) ብፍላይ ኣብ ህፃናት ከስዕቦ ዝኽእል ኣሉታዊ ፅዕንቶ ንምክልኻል፣ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ክምራሕ ኣለዎ ኢሎም ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ።

ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ እዚ ዝበሉ፤ ብብርኪ መንግስታት ንፈለማ እዋን ኣብ ጄኔቫ ብዛዕባ ቴክኖሎጂ ሰብ-ሰራሕ ብልሒ ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ መድረኽ እዩ።

አንቶኒዮ ጉተሬዝ ከም ዝበሉዎ፤ እዚ ቴክኖሎጂ ኣብ ኢኮኖሚ ዓለም፣ መረፃታት፣ ዕድል ስራሕ፣ ከምኡ እውን ፀፅታን ድሕንነትን ልዑል ፅዕንቶ ክህልዎ ይኽእል እዩ፤ ይኹን እምበር ዝጥቀሙሉ ሰባት ክቆፃፀርዎ ኣብ ብዘይኽእሉ ቅልጣፈ እናዓበየ ይርከብ ክብሉ ስግኣቶም ኣቕሪቦም።

ንእወንታዊ ኣስተዋፅኦ ሰብ-ሰራሕ ብልሒ ብዝበለፀ ንምጥንኻርን፣ ብፍላይ ኣብ ህፃናት ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻልን ዓለምለኻዊ ሕጊ ክተግበር ከም ዘለዎ ኣፅንኦት ሂቦም።

እቲ መድረኽ ሓደጋታት ሰብ-ሰራሕ ብልሒ ንምክልኻልን፣ ዘለዉ ረብሓታቱ ብግቡእ ንምጥቃምን ዘኽእሉ ሕጊታት ኣብ ዝሰናድኡሉ ኩነታት ከምዝዝቲ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

40 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ሰብ ሞያ ኣብ ትግበራ እቲ ቴክኖሎጂ ዘካየዶ መፅናዕቲ መሰረት ብምግባር ሳይንሳዊ ውፅኢታት ኣብቲ መድረኽ ከምዝቐረቡ እውን ተሓቢሩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.