ሂውማን ራይትስ ዎች፥ ዘይሕጋዊ ህወሓት ብግዴታ ወተሃደራዊ ምልመላ ይፍፅም ከምዘሎ ኣቃሊዑ
ኣዲስ ኣበባ፣ ሰነ 29፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ.) – ዓለም ለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ዝኾነ ሂውማን ራይትስ ዎች (Human Rights Watch) ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብግዴታ ወተሃደራዊ ምልመላ የካይድ ከምዘሎ ኣቃሊዑ።
እቲ ትካል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ጉጅለ ህወሓት ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ዕድሚኦም ትሕቲ 15 ዓመት ዝኾኑሰገናት ከይተረፉ ብግዴታ ንወተሃደራዊ ዕላማ እናወሰደ ከምዝኾነ ገሊፁ።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ፥ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ነዚ ናይ ብግዴታ ተግባር ግፋ ይፍፅም ከምዘሎ እውን ተገሊፁ።
ሂውማን ራይትስ ዎች ምስ ጉዳይ ብዝተዛመደ ሽዱሽተ ፍፃመታት ከምዘረጋገፀ ገሊፁ። ኣብቲ ክልል ምስ 18 ሰባት ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፥ እቲ ጉጅለ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ብሰፊሑ ይፍፅም ከምዘሎ ኣረጋጊፁ።
ኣብ ስራሕ ኳዕቲ ወርቂ ዝተዋፈሩ ሰባት እውን ብምሓዝ ንወተሃደራዊ ዕላማ ብግዴታ ይወስዶም ከምዘሎ ገሊፁ።
ብተመሳሳሊ እቲ ጉጅለ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናይ ገዛ-ንገዛ ፍተሻ ብምክያድ፥ ሲቪላውያን ዜጋታት ብግዴታ ንወተሃደራዊ ዕላማ እናወሰደ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ዘይሕጋዊ ህወሓት፥ ዜጋታት ብግዲ ንወተሃደራዊ ዕላማ ምውዓሉ ኣብ ነበርቲ እቲ ክልል ከቢድ ራዕዲ ከምዝፈጠረ ተገሊፁ።
ሂውማን ራይትስ ዎች እቲ ጉጅለ ካብዚ ተግባር ብህፁፅ ንክቑጠብ ብምትሕስሳብ፥ ብግዴታ ንወተሃደራዊ ዕላማ ዝተወስዱ ሰገናት ብቕልጡፍ ንክፍትሑ ፀዊዑ።
ብተወሳኺ ካብቲ ብግዴታ ምልመላ ንምምላጥ ዝፍትኑ ሰገናት ወለዶም እውን ብምእሳርን ብምንግልታዕን ይቕፅዑ ከምዘሎዉ ሓቢሩ።