Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ኣብ ዝተረኸቡሉ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ይካየድ ኣሎ

ዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 5ይ ዓመት ዘመን ስራሕ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባኡ የካይድ ኣሎ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ቤት ምኽሪ ናይ 2018 ዓ.ም በጀት ዓመት መንግስቲ መደብ ኣፈፃፅማ ሪፖርትን ኣብ 2019 ዓ.ም ዓመታዊ በጀትን ዝምልከት ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዝቐርቡ ሕቶታት መልስን መብርህን ክህቡ እዮም።

እቲ ቤት ምኽሪ ናይ ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን ቀዋሚ ኮሚቴ ብዛዕባ ናይ 2019 ዓ.ምረቂቕ በጀት ዘቕርቦ ሪፖርትን ሃሳብ ውሳነን ኣብ ምርመራ ድሕሪ ምግባር፣ እቲ ኣዋጅ በጀት ከፅድቕ ትፅቢት ይግበር።

ኣብቲ ኣኼባ ፃውዒት ዝተገበረሎም ዕዱማት ኣጋይሽ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመፁ ኣምባሳደራት፣ ተወከልቲ ዓለም ለኻዊ ትካላት፣ ኣቦታት ሃይማኖት ከምኡ ውን መራሕቲ ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ተሳቲፎም ኣለዉ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.