Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ሉዓላውነት ኢትዮጵያ ንምሕላው ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ድሉው እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሉዓላውነት ኢትዮጵያ ዝፈታተን ኩነታት እንተተፈጢሩ መንግስቲ ሉዓላውነት ሃገር ንምክልኻል ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ድሉው እዩ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ 5ይ ዓመት ዘመን ስራሕ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ንሕቶታት ኣባላት ቤት ምኽሪ ምላሽን መብርህን ይህቡ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ፕሪቶርያ ስምምዕ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ግዝያዊ መንግስቲ ተጣይሹ።

ልዕሊ 60 ሽሕ ዕጡቓት ኣድላዩ ድጋፍ ብምግባር ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቂ፣ ምቕናዕን ናብ ማሕበረሰብ ናይ ምምላስን ስራሕ ተሰሪሑ ኢሎም።

እቲ ስምምዕነት ንህዝቢ ትግራይ ዕረፍቲ ዝሃበ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ቅድሚ ውግእን ኣብ እዋን ውግእን ተቋሪፆም ዝነበሩ ኣገልግሎታት ቴሌኮም፣ ኤሌክትሪክን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተመለሱ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ሰላም ዝዘርግ ጉጅለታት ውሑዳት ምዃኖም ብምግላፅ፤ እዞም ሓይልታት ስድራቤቶም ገሊኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገሊኦም ድማ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዘቐመጡ እዮም ኢሎም።

ትግራይ ክትዓኑ ነይርዋ ብዝብል ሓሳብ ዝኣምኑ ሓይልታት፣ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ቅሬታ ከም ዘርኣዩ ገሊፆም። ከምኡ ውን ኣኽረርቲ ሓይልታት ኩሉ መዓልቲ ኩናት ከልዕሉ ዝኽእሉ ትንኮሳት ይፍፅሙ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

መንእሰያት ትግራይ ብሓይሊ እናተወስዱ ንሱዳን ሓይልታት ይሽጡ ከምዘለው ብምግላፅ፤ እዞም መንእሰያት ድማ ኣብ ዘይፈልጥዎ ውግእ ህይወቶም ይስእኑ ኣለዉ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ በዓል ፀገም ዘይኮነስ ግዳይ ፀገም ምዃኑ ብምግላፅ፤ ሕዚ ኣብ ትግራይ ካብ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ብሰላምን ብናፅነትን ህይወቶም ይመርሑ ከም ዘለዉ ገሊፆም።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.