ኣብ ክልል ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዝባፅሐ እኽሊ ሓረስቶት ኣኪቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእከላይ ወረዳ ዓዴት ዝርከቡ ዓቕሚ ንዘይብሎም ሓረስቶት ኣባላት ክፍለ ጦር ኣብዲሳ ኣጋ ምዕራብ እዚ ሰራዊት ምክልኻል ዓፂድ እኽሊ ጣፍ ብምእካብ ደገፍ ገይሮም።
ኣዛዚ እቲ ክፍለ ጦር ሌተናል ኮሎኔል ገዛኸኝ በቀለ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፅዎ፣ ሰራዊት ውላድ ህዝቢ ብምዃኑ ሉኣላውነት ሃገር ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ምስ ህዝቢ ዘለዎ ርክብ ብተግባር ከርኢ ኣለዎ።
ብመሰረት እዚ እቲ ሰራዊት ኣብ ዝተመደበሉ ግቡእ ዞባ ንዝርከብ ማሕበረሰብ ፀገማት ብምክፋል ደጋፊ ህዝቢ ምዃኑ ብተግባር እናረጋገፀ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።
ኣዛዚ ሬጅመንት ኣባይ ሻምበል ኣማረ ሙሉነህ ብወገኖም፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሓረስቶት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት እኽሎም ብግዚኡ ንምእካብ ክፅገሙ ከምዝኽእሉ ብምሕባር፣ ነዚ ፀገም ንምቅላልን እቲ ብዙሕ ምህርቲ ከይባኽንን ሓባራዊ ፃዕሪ ከምዝተገብረ ገሊፆም።
ደገፍ ዝተገብረሎም ሓረስቶት ወይዘሮ ማሞ ገብረየሱስን ኣይተ ደሳለኝ ገረንቸልን ብወገኖም፣ ኣብ ከባቢኦም ዝተፈጠረ ኣንፃራዊ ሰላም ዓብዩ ሓጎስ ከምዝፈጠረሎም ገሊፆም።
ብተወሳኺ ዝበፅሐ እኽሊ ጣፍ ብግዚኡ ንምእካብ ካብ ሰራዊት ዝረኸብዎ ሓገዝ ልዑል እፎይታ ከምዝሃቦም ብምግላፅ፣ ነቲ ዝተገብረሎም ደገፍ ምስጋና ምቕራቦም ኦንላይን ሚድያ ሰራዊት ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ብዝለአኮ ሓበሬታ የረድእ።