ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ ብሄራዊ ድሌት እዩ – ነበር ቀዳማይ ሚኒስተር ኮትዲቯር
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ ብሄራዊ ድሌት እዩ ኢሎም ነበር ቀዳማይ ሚኒስተር ኮትዲቯርን ፕሬዚደንት ህዝባዊ ግንባር እታ ሃገር (ኤፍፒኣይ)ን ፓስካል ኣፊ ንጌሳን።
ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብቑዕ ኣፍልጦ ክረክብ ከም ዘለዎ ዝገለፁ ፓስካል ኣፊ ንጌሳን፤ ድሌት ኢትዮጵያ ንኹለን ሃገራት እቲ ዞባ ብሓባር ተጠቀምቲ ብዝገብር መንገዲ፣ ብዘተን ስምምዕን መልሲ ክረክብ ከም ዘለዎ ገሊፆም።
ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብመንፅር ሰፊሕ ጂኦፖለቲካዊ ኩነታትን ሓባራዊ መፃኢ ዕድል ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ክረአ ከም ዘድሊ እውን ኣብሪሆም።
ድሌት ኢትዮጵያ ብኹሎም ወገናት ተቐባልነት ብዘለዎ መንገዲ መፍትሒ ከም ዝረክብ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።
ኣብቲ ጉዳይ ብህዱእን ሃናፂን ዘተ ክካየድ ከም ዝግባእ ብምሕባር፤ ኣፍሪካዊ መፍትሒ ንዘላቒ ሰላምን ምዕባለን ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣፍሪካ ክትዓቢ እትኽእል ብሓድነት እዩ፤ ሓቀኛ ሓድነት ድማ ሓሳብን ሃፍትን ብምክፋል ክግለፅ ከም ዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዋ ድሌት ብመንፅር እዚ ማዕቐፍ ክረአ ከምዘለዎ እውን ፓስካል ኣፊ ንጌሳን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ብመሰረት ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኣ፣ ታሪኻዊ ምትእስሳራን እናዓበየ ዝመፀ ኢኮኖሚያዊ ድሌታን ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዘላቒን ውሑስን መውፅኢ ንምርካብ ልዑል ፃዕሪ ትገብር ኣላ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፤ ኢትዮጵያ በሪ ተዓፅዩዋን እስርቲ ጂኦግራፊ ኮይናን ክትቅፅል ከምዘይትኽእል ምግላፆም ይዝከር።
ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ሕቶ በሪ ባሕሪ መልሲ ንኽረክብ ሰላማዊ፣ ዲፕሎማስያዊን ኣብ ሕጊ ንግዲ ዝተመስረቱን ኣገባባት ከም እትኽተል ብተደጋጋሚ ኣረጋጊፃ እያ።