Fana: At a Speed of Life!

“ያሆዴ” ሓዱሽ ዓመት ብሄር ሃዲያ ኣብ “ዩኔስኮ” ንክምዝገብ ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)"ያሆዴ" ሓዱሽ ዓመት ብሄር ሃዲያ ኣብ “ዩኔስኮ” ንክምዝገብ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ። እቲ በዓል ኣብ ከተማ ሆሳኢና ተኸቢሩ። ኣብቲ በዓል ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ቀጀላ መርዳሳ፣ ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ…

 “ዮ…ማስቃላ” ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ዓመት መላወጢ ጋሞ “ዮ...ማስቃላ” ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ይኽበር ኣሎ። እቲ በዓል ኣብ ምምሕዳር ዞባ ጋሞ ዝተሃነፀ ተምሳሌት ሰላም ብሄር ጋሞ ኣብ ዝኾነ ሓውልቲ ምረቓ ተጀሚሩ። እቲ በዓል ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና…

ትካላት ልቓሕን ዕቋርን ንልምዓታዊ ንጥፈታት ሃገርና ኣብ ምድጋፍ ልዑል ተራ ኣለዎም- ዶክተር ይናገር ደሴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ልቓሕን ዕቋርን ንልምዓታዊ ንጥፈታት ሃገርና ብፍላይ ድማ ትሑት እቶት ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ምድጋፍ ልዑል ተራ ከምዘለዎም ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ ገሊፆም። ባንኪ ፀደይ ትካል ልቓሕን ዕቋርን  ኣብ ዝነበረሉ…

ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ብዝተፈላለዩ ዓውዲትት ዝተምሃሩ ልዕሊ 700 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ንመበል 14 ግዘ ብዓውዲ ሕክምና ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ዓውዲትት ከምህሮም ዝፀንሐ ልዕሊ 700 ተምሃሮ ኣመሪቑ፡፡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ዶ/ር ሁሴን ቃሲም፣ ፕሬዝደንት እቲ…

ባንኪ ፀደይ ስርሑ ብወግዒ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብናይ ቐደም ሽሙ ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣምሓራ /ኣብቁተ/ ናይ ሐዚ ባንኪ ፀደይ ስርሑ ብዕሊ ብወግዒ ጀሚሩ። እቲ ባንኪ ኣብ 148 ጨንፈራት ብ 8 ቢሊየን ብር ብዝተኸፋፈለ ርእሰ ማል ብዕሊ ስርሑ ምጅማሩ ተገሊፁ። እቲ ባንኪ ስሙ ናብ ፀደይ…

ነበርቲ ዞባ ደቡብ ኦሞ ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዕሊ 7 ሚሊዮን ብር ዝግምቶም ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ዞባ ደቡብ ኦሞ ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዕሊ 7 ሚሊዮን ብር ዝግምቶም ሓገዝ ዓይነት ገይሮም። ነቲ ሓገዝ ዝተቐበላ ሚኒስተር ዲኤታ ሚንስትር ምክልኻል ሃገር ማርታ ሉዊጂ፥ ሓድነት ልኣለዉነት ሃገር ንምሕላው ብቖራፅነት ይኳሻሕ…

ምጥንኻር ትራንስፖርት ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ምንቅስቓስ ንግዲ እዛ ሃገር ዘቀላጥፍ ኢዩ-ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምጥንኻር ማሕበር ትራንስፖርት ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ምንቅስቓስ ንግዲ እዛ ሃገር ዘቀላጥፍ ኢዩ ክብሉ ሚኒሰትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ገሊፆም። ኣመራርሓ ቦርድ እቲ ማሕበር  ናይ ምኽኽር መድረኽ ኣብ ዝተጀመረሉ መደረ ዘስምዑ አይተ ኣህመድ ሽዴ፥…

መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲታት ምዕባለ ኢትዮጵያ ካብ ምርግጋፅ ደው ኣየብለናን-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲታት ምዕባለ ኢትዮጵያ ካብ ምርግጋፅ ደው ኣየብለናን ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ። እቲ ኣገልግሎት ናብ ፋና ብድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ሆሮጉድሩ ወለጋ ኣብ ለዕሊ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ፍሪያት ሰርናይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ውፅኢታዊ ይኸውን ኣሎ ኢሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ዘሎ ፍሪያት ሰርናይ እወንታዊ ጅማሮ ከምዘለዎ ኣፍሊጦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ድምር ውፅኢት ልዑል ውፅኢት ከምዘርከብ…

ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ደገፉ ክብ ንምባል ቁርፀኛ ከምዝኾነ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ደገፉ ክብ ንምባል ቁርፀኛ ከምዝኾነ ገሊፁ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን መስ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ውሕመ ማርቲን ግሪፍትስ ተዛቲዮም። ኣይተ…