Fana: At a Speed of Life!

ኢራንን ኣርጀንቲናን ናብ “ብሪክስ” ንምውሃድ ሕቶ ኣቕሪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢራንን ኣርጀንቲናን ናብ “ብሪክስ” ንምውሃድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሕቶ ከምዘቕረባ ተገሊፁ። እቲ ሕቶ ኣብ ጉባኤ “ብሪክስ ፕላስ” ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ፕሬዚዳንት ኢራን ኢብራሂም ራኢሲን ፕሬዚዳንት ኣርጀንቲና ኣልቤርቶ ፈርናንዴዝ ኣብተ ጉባኤ ምስታፎም…

ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ተሽከርከርቲ ዘፍሪዩ ሃገር በቆል ኢንዱስትሪታት ይፍጠሩ ኣለዉ- ኣይተ መላኩ ኣለበል

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ተሽከርከርቲ ዘፍሪዩ ሃገር በቆል ኢንዱስትሪታት ይፍጠሩ ኣለዉ ክብሉ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ገሊፆም። ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ሚኒስቴር፥ ንልዕሊ 100 ሰባት ዕድል ስራሕ ኣብ ዝፈጠረ “ፍራንኩን ኢት አውቶሞቲቭ”…

ፓርቲ ብልፅግናን ኮሚዩኒስት ፓርቲ ቻይናን ስትራቴጂካዊ ርክበን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግናን ኮሚዩኒስት ፓርቲ ቻይናን ስትራቴጂካዊ ርክበን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን። ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና አደም ፋራህን ሚኒስትር ዓለም ለኸ ርክብ ማእኸላይ ኮሚቴ ኮሚዩኒስት ፓርቲ ቻይና ሊዩ ጂያንቾኦን ብዌብናር ዘተ ኣካይዶም።…

ኣብ ስትራቴጂ ሰነድ ምክልኻል ብሄራዊ ጎንፂን ህንፀት ሰላምን ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስትራቴጂ ሰነድ ምክልኻል ብሄራዊ ጎንፂን ህንፀት ሰላምን ዘተ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌዴራል፣ ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ካልኦት ኣመራርሓ ፌዴራልምን ክልልን…

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ራብዓይ ዙር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር፣ ከንቲባ ኣዳነሽ ኣበቤ፣ ሚኒስተር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬን ካልኦት ላዕለዎት…

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ጉጅለ ተደራዳሪ ሰላም ተሰይሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ጉጅለ ተደራዳሪ ሰላም ከምዝተሰየመ ተገሊፁ። ሚኒስትር ፍትሒን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምጥማት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ…

መንግስቲ ኣብ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን  ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ሱዳንን ናይቲ ከባቢ ምሊሻን ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ መንግስቲ ኣብ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን  ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ሱዳንን ናይቲ ከባቢ ምሊሻን ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ። ብግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ደገፍ  ዶብ ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ኣብልዕሊ ዝኣተዉ ወተሃደራት ሱዳን ዝበፅሐ ጉድኣት…

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተፈጠረ ፀገም ሰላማዊ ኣማራፅታት ንክረኣዩ ፓርቲ ብልፅግና ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተፈጠረ ፀገም ሰላማዊ ኣማራፅታት ንክረኣዩ ፓርቲ ብልፅግና ውሳነ ኣመሓላሊፉ። ሚኒስትር ፍትሒን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ኲናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተገዲዱ ዝኣተዎ ኢዩ ኢሎም።…

ምስ ህዝቢ ብምውዳድ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ብምድምሳስ ምዕባለ እዛ ሃገር ንምርግጋፅ ክንሰርሕ ኢና-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ህዝቢ ብምውዳድ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ብምድምሳስ ምዕባለ እዛ ሃገር ንምርግጋፅ ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ምክትል ፕሬዚዳነት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም። ኣይተ ኣደም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕን…

ግብረ ራዕዲነትን ፅንፈኝነትን ንምቅላስ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብሓባር ከምዝሰርሓ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ኣፍሊጠን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲነትን ፅንፈኝነትን ንምቅላስ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብሓባር ከምዝሰርሓ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ኣፍሊጠን። ላዕለዎት ኣመራርሓ እተን ክልላት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ክልለ ኦሮሚያ ዝፈፀሞ መጥቃዕቲን ቀፃሊ መጥቃዕቲታት ግብረ ራዕዲን…