Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብምዃን ተሰይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ንኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ዳግም ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምግባር ሰይሙዎም። ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ብምቕራብ ቃለ ማሕላ ፈፂሞም።

ቤት ምኽሪ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ንወ/ሮ ኣስካለች ኣልቦሮ ኣፈ ጉባኤ ብምግባር ሰይሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ 7ይ ዘበን መረፃ ጉባኤ ምስረታኡ፣ ንወ/ሮ ኣስካለች ኣልቦሮ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ብምግባር ሾይሙወን። ብተወሳኺ ድማ ንኣይተ ረመዳን ሓሩን ምክትል ኣፈ ጉባኤ ገይሩ መሪፁዎም።…

ኣይተ ኣብዱላሂ ኣደን ዩሱፍ ከንቲባ ምምሕዳር ድሬዳዋ ብምዃን ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ድሬዳዋ ንኣይተ ኣብዱላሂ ኣደን ዩሱፍ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ብምግባር መሪፁዎም። ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ድሬዳዋ ኣብ ምስረታ ጉባኤኡ ዝተፈላለዩ ሹመታት ከፅድቕ እዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። ብምንያህል መለሰ #ኢትዮጵያ…

ኣይተ ፍቅሬ ኣማን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብምዃን ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ 7ይ ዘበነ ስራሕ 1ይ ዓመት ጉባኤ ምስረታኡ የካይድ ኣሎ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ጉባኤ ንኣይተ ፍቅሬ ኣማን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብምግበራር መሪፁዎም።

ኣይተ ኦርዲን በድሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ብምዃን ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ሐረሪ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ 7ይ ዘበን ስራሕ 1ይ ዓመት ጉባኤ ምስረታኡ ንኣቶ ኦርዲን በድሪ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምግባር ዳግም መሪፁዎም። እቲ ቤት ምኽሪ ካብዚ ብተወሳኺ፤ ካልኦት ሽመታት ከፅድቕ እዩ ዝብል ትፅቢት…

ሰላም እቲ ዞባን ትንሳኤ ኣፍሪካን ብትምኒት ሽርሐኛታት ኣይኹለፍን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብታሪኻ፣ ብጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኣን ዓንዲ ሑቐ ስትራቴጂካዊ ሚዛን እቲ ዞባን እያ። ኣብ ታሪኻ ናይ ባዕላ ሉኣላውነትን ናፅነትን ጥራሕ ዘይኮነትስ ንናፅነት መላእ ፀለምቲ ህዝብታት፣ ንምስረታ ሕብረት ኣፍሪካን ንምሕላው ሰላም እቲ ዞባን…

ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ 16 ሸቶታት ብምምዝጋብ ንሲሸልስ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ምስ ሲሸልስ ኣብ ዝገበረቶ ዓለም ለኸ ናይ ምሕዝነት ፀወታ ንሲሸልስ 16 ን 0 ብዝኾነ ሰፊሕ ኣፈላላይ ሸቶ ስዒራ። ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፤ ንግስት በቀለ፣ ታሪኳ ዴቢሶ፣ እሙሽ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን ዝኾነ ዓይነት ድሮን ንምብራር ፍቓድ ኣይወሃብን – ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን…

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን ዝኾነ ዓይነት ድሮን ንምብራር ፍቓድ ኣይወሃብን ኢሉ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን። ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ ኣጠቓቕማ ድሮናትን ካልኦት…

ኢትዮጵያን ጃፓንን ዘፈር ልምዓት ምፍራይ ሩዝ ንምዝማን ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ጃፓንን ዓውዲ ምፍራይ ሩዝ ኢትዮጵያ ንምዝማን ዘኽእል ስምምዕ ሓገዝ 375 ሚሊዮን ብር ተፈራሪመን። እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ፋይናንስ ኣሕመድ ሺዴን ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ሺባታ ሂሮኖሪን ተፈራሪሞምዎ። ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ…

ፕሮጀክት መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ንጠለብ ሓይሊ እቲ ዞባ ምላሽ ዝህብ እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመንግስቲ ኬንያ ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ ፕሮጀክት መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ንጠለብ ሓይሊ እቲ ዞባ ምላሽ ዝህብ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ኬንያ ኣብ ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኹርናዕ…