Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፍሪካ 346 ሚሊየን ዜጋታት ኣብ ዘስካሕኽሕ ጥሜት ከምዝርከቡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ 346 ሚሊየን ዜጋታት ኣብ ዘስካሕኽሕ ጥሜት ከምዝርከቡ ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ። ጎንፂ፣ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ናህሪ ዋጋ ምግቢን ነዳዲን ኣብታ ኣህጉር ጥሜት ንኽስፋሕፋሕ ምኽንያት ከመዝኾ ኢዩ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ…

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ሚኒስትራት ክሳብ ሕዚ ዝተኻየዱ ስራሕቲ ምርመራን መሊስካ ምጥያሽን ይግምግም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ሚኒስትራት ክሳብ ሕዚ ዝተኻየዱ ስራሕቲ ምርመራን መሊስካ ምጥያሽን ይግምግም ኣሎ። እቲ ግብረ ሓይሊ ኣብ ትሕቲኡ ዝተጣየሹ ኮሚቴታት እናሰርሖም ዝርከቡ ስራሕቲን እቶም ስራሕቲ ዝርከቡሉ ብርኪን ኢዩ እናገምገመ ዝርከብ። ኣብ…

ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ መብሰሪ ወፍሪ ምንቅስቓስ መናእሰይ ሕርሻ ከተማ ይየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ መብሰሪ ወፍሪ ምንቅስቓስ መናእሰይ ሕርሻ ከተማ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ይየድ ኣሎ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ካብ ኩሎም ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅና ከምኡ እውን…

ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘሰናደኦም ረቀቕቲ ሕጊታት ካብ ምፅዳቕ ኣናዊሑዎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ረቀቕቲ ሕጊታት “HR6600” ን “S3199” ንኽድንጉዩ ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ። ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘቕረቦም ረቀቕቲ ሕጊታት ማዕቐብ እንተይፀደቑ ንኽድንጉዩ ምውሳኑ ዘ ኣፍሪካን ሪፖርት ፀብፂቡ። ኣብዚ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ህዝቢ ብዝተኻየዱ ልዝባት ዝተልዓሉ ሕቶታት ንምምላስ ናብ ተግባር ምእታዉ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ህዝቢ እናተኻየዱ ዝነበሩ ልዝባት ህዝቢ ብግልፂ ዘልዕሎምን ኣብ ሓፂር እዋን ክምለሱ ዝግበኦም እዋናዊ ሕቶታትን ንምምላስ ናብ ተግባር ምእታዉ ኣፍሊጡ። ኣብ ናይ ህዝቢ መድረኻት ዝተልዓሉ ግቡእነት ዘለዎም ሕቶታት…

ትፅቢት ዝተገበረሉ ሸገር ደርቢ ብዓወት ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 17 ሰሙን ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት  ኢትዮጵያ ቡናን ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣራኺቡ። ኣብ ኣዳማ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስ ቴክኖሎጂን ኣዳማ ዝተኻየደ ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ብዓወት ጋንታ ቅዱሰ ጊዮርጊስ ተዛዚሙ። እቲ ፀወታ 4 ን…

ሕብረት ኣውሮፓ መርመርቲ ገበን ኲናት ናብ ዩክሬን ክልእኽ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዩክሬናዊት ከተማ ቡቻ ዝተፈፀመ ገበን ኲናት ዝምርምር ጉጅለ ናብ ዩክሬን ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ። ፕሬዚዳን ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ኡርሱላ ቮን ደር ሌየን፥ ምስ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዶሚር ዜለንስኪ ብስልኪ ተዛቲየን። ኣብቲ…

ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ 9 ሺሕ ተመዛበልቲ ዜጋታት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ 9 ሺሕ ተመዛበልቲ ዜጋታት ዝተፈላለዩ ሓገዛተ ምግባሩ ኣፍሊጡ። እቶም ሓገዛት መሰረታዊ መገልገሊ ኣቑሑት ውሽጢ ገዛ ዘካተተ ሶላር ናይ ኢድ ባትሪ፣ ጀሪካን፣ ኣቕሑት መኣዲ፣ ምንፃፍን…

ጉድለት ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ ብኣማራፂ ተፈጥሮኣዊ ዱኽዒ ንምትካእ ይስራሕ ኣሎ – ሓልቲ ቢሮ ሕርሻ ክልላት

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉድለት ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ ብኣማራፂ ተፈጥሮኣዊ ዱኽዒ ብምትካእ ፍርያታውነት ምህርቲ ንምድንፋዕ እናተሰርሐ ምዃኑ ሓልቲ ቢሮ ሕርሻ ክልላት ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ሲዳማን ገሊፆም። ንእታወት ሕርሻ ወሰንቲ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ነገራት ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ…

ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚለየን ብር ዝግመት ዋጋ ዘለዎ ልባስ ክዳውንቲ ኮንትሮባንድ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብናይ ሕሶት ሰነድ ናብ ማእኸል ሃገር ክሓልፍ ዝነበረ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚለየን ብር ዝግመት ዋጋ ዘለዎ ልባስ ክዳውንቲ ኮንትሮባንድ ምሓዙ ኣብ ኮሚሽን ጉምሩኽ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት መቆፃፀሪ ጣቢያ ጪጬ ኣፍሊጡ። ሓላፊ እቲ መቆፃፀሪ ጣቢያ ምክትል…