Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ኣብያተ ህንፀት ማእኸላት ስልጠናን ፍሪያትን ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ-ኣይተ ዳመነ ዳሮታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ.ቢ.ሲ.)ኣብያተ ህንፀት ሰባት ዝህነፅሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ማእኸላት ስልጠናን ፍሪያትን ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ፌዴራል ኣይተ ዳመነ ዳሮታ ተዛሪቦም። ኣብ ጥፍኣት መንእሰይ፣ ኣማራፅቲ ቅፅዓታትን…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ጉባኤ ኣሜሪካ ኣፍሪካ ምስታፎም ርክብ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ትካላትን ዘጠናኽር ኢዩ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጉባኤ ኣሜሪካ ኣፍሪካ ምስታፎም ርክብ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ትካላትን ዘጠናኽር ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ። ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር መለስ ኣለም፥ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ጉባኤ ምስታፎም…

መቐለ ሓዊሱ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ዳግም ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ረኺበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መቐለ ሓዊሱ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ዳግም ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከምዝረኸባ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ኣገልግሎት ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ብዘጋጠመ ኲናት ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት እቲ ዲስትሪቡሽን ዝበፅሐ ጉድኣት…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ተወካሊት ንግዲ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ካትሪን ታይን ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ተወካሊት ንግዲ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ካትሪን ታይን ዘቲዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ጎኒ ንጎኒ ጉባኤ መራሕቲ ኣሜሪካ ኣፍሪካ ምስ ተወካሊት ንግዲ ኣሜሪካ…

1 ሺሕን 23 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ብዝተገበረ ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናይ ምምላስ ስራሕ ብሓፈሻ ቁፅሮም 1 ሺሕን 23 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ተመለስቲ ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ብምግባር ናብ ዝተሰናደአሎም ግዚያዊ መዕረፊ ክኸዱ ከምዝተገበረ ተገሊፁ፡፡…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ክርስቲላ ጆርጄዬቫ ተዛቲዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ክርስቲላ ጆርጄዬቫ ውፅኢታዊ…

ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ን6 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዜጋታ ሓገዝ ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ን6 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዜጋታ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሰብኣዊ ሓገዛት ከምዝተገበረ ኮሚቴ ሚኒስትራት ገሊፁ። እቲ ኮሚቴ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ክሳብ ሕዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝገምገመ እንትኸውን÷…

ልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ኣስኢኑ ኣብ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ክሲ ተመስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ክትስእን ገይሩ ኣብ ዝተብሃለ ሳሙኤል እጓለ ሰብ ክሲ ከምዝመስረተ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣፍሊጡ። እቲ ክሲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ልደታ 1ይ ፍሉይ መጋባእያ ጉዳያት ገበን ዝቐረበ…

3ይ ፎረም ሰላምን ድሕንነትን ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳልሳይ ፎረም ሰላምን ድሕንነትን ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘወዴ ሓዊሱ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ልዑል ሓላፍነት ዝርከባ ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ ህንፀት ሰላም ፅዕንቶ ፈጠርቲ…

ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ – ኣሜሪካ ኣብ ዋሺንግተን ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝሳተፉሉ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ -ኣሜሪካ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዋሺንግተን ክካየድ ኢዩ። እቲ ጉባኤ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ዘለወን ክልተኣዊ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ምጥንኻር ኣብ ዝኽእላሉ ጉዳይ ትኹረት ገይሩ ክዝቲ…