Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኢንዶኔዥያን ዘሎ ርክብን ኢንቨስትመንት ዕዳጋን እናማዕበለ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን  ኢንዶኔዥያን ዘሎ ርክብን ኢንቨስትመንት ዕዳጋን እናማዕበለ ከምዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኢንዶኔዥያ ገሊፆም፡፡ ኣምባሳደር ኢንዶኔዥያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣል ቡስይራ ባስኑር ምስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተወደበ መገዲ ወራር መሬት ንምፍጻም እናሰናድኡ ዝነበሩ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ስልክ ላፍቶ ብዝተወደበ መገዲ ወራር መሬት ንምፍጻም እናሰናድኡ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም። እቶም ውልቀ ሰባት፥ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ምምሕዳር ወረዳ 9 ቀጠና 3 ድሕሪ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ…

ሓበራዊ ልዝብ ኣምሓራን ብሄረሰባ ቅማንትን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)"ሓድነትና ብምጥንኻር ናብ ንቡር ሰላምና ክንምለስ ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል ሓበራዊ ልዝብ ኣምሓራን ብሄረሰባ ቅማንትን ይካየድ ኣሎ፡፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ ኣገር ኣዳኝ ጫቆ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መድረኽ ዘተ ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣይተ…

መሰልን ድሕንነትን ህፃናት ንምሕላው ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ፃዕሪ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መሰልን ድሕንነትን ህፃናት ንምሕላው ኣብዚ በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ኣሰራርሓታት ብምዝርጋሕ፣ ህንፀት ዓቕሚን ስራሕቲ ግንዛበን ብምስራሕ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ፃዕሪ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ። ሴክተር ጉባኤ 9…

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘይሕጋዊ ዝተትሓዙ ልዕሊ 750 ሽሕ ሊትሮ ዘይቲ ንሕብረተሰብ ከምዝተኸፋፈለ ቢሮ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝተግብረ ስራሕቲ ቁፅፅር ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተትሓዙ ልዕሊ 750 ሽሕ ሊትሮ ንሕበረተሰብ ከምዝተኸፋፈለ ቢሮ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ፡፡ እቲ ቢሮ ፀገማት ምንካይ ቀረብ ዘይቲን ወሰኽ ዋጋን ብቕልጡፍ …

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ  ዋና ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ፌዴራል ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ  ዋና ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ፌዴራል ዑደት ኣካይዶም፡፡ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘው ተሻገር፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ካልኦት ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ኣፈጉባኤታት፣ ሚኒስትራት ሓዊሱ…

መንግስቲ ካብ ህዝቢ ዝተለዓሉ ኢኮኖሚያዊ ሕቶታት ንምምላስ ይሰርሕ ኣሎ – ዶክተር እዮብ ተካልኝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሙላእ እዛ ሃገር ዝተኻየዱ ምይይጣት ካብ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ኢኮኖሚያዊ ሕቶታት ደረጃ ብደረጃ ንምምላስ ይስራሕ ምህላዉ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ፡፡ ሚኒስተር ዴኤታ ገንዘብ ዶክተር እዮብ ተካልኝ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ ህዝባዊ ምይይጣት ምስ…

ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ፈልይቲ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድብ ሕቡራት ምንግስታት ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ፈልይቲ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዶክተር ኣኔት ዌበር ተዛቲዮም። ኣብቲ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካን…

ረቀቕቲ ሕጊታት ኤች ኣር 6600ን ኤስ 3199ን ዝቃወም ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ጣሊያን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ረቀቕቲ ሕጊታት ኤች ኣር 6600ን ኤስ 3199ን ዝቃወም ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ጣሊያን ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ ኣብ ጣሊያን ከተማ ሮማ ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ጣሊያን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ከምዝተሳተፉ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት…

ኣብ ዞባ መተከል ዝነበረ ዘይምርግጋዕ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዘኽእል ዕርቀ ሰላም ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ መተከል ዝነበረ ዘይምርግጋዕ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዘኽእል ባህላዊ ዕርቀ ሰላም ተኻይዱ። እቲ ዕርቀ ሰላም፥ “ካብ ልቢ ዝፍልፍል ዕርቂ ንዘላቒ ሰለም” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ፃውዒት ሰላም…