Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና በዓል መውሊድ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንካዕ ኣብ ፀሐኩም ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ንመበል 1496 በዓል መውሊድ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንካዕ ኣብ ፀሐኩም ኣመሓላሊፉ። እቲ ባይቶ ኣብ መልእኽቱ፥ ህዝበ ሙስሊም ኣብ ሉኣላውነትን ሓድነትን ሃገርን እናርአዮ ዝርከብ…

ኣብ ኢትዮጵያ ጥንኩር ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዘኽእሉ ስራሕቲ ክሳለጡ ኢዮም – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ጥንኩር ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝስርሑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር  ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም። ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ኣፈ ጉባኤታት ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪን ሚኒስትራትን ዘካተተ ልኡኽ ኣብ ክልል…

ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል መውሊድ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል መውሊድ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን። እተን ከንቲባ ኣብ መልእኽተን፥ “በዓል መውሊድ እንትነኽብር ከም ቀደሙ ዝተፀገሙ ብምሕጋዝ፣ ዘለና ንኻልኦት…

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ዝርከብ መራብሒ ምሩፅ ዘርኢ ሕርሻ ሴሮፍታ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር  ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ኣፈ ጉባኤታት ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪን ሚኒስትራትን ዘካተተ ልኡኽ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ዝራእቲ ሕርሻ ዑደት ገይሮም። ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ዑደቶም፥…

ኮተቤ ናይ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ 2 ሺሕን 526 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮተቤ ናይ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ 2 ሺሕን 526 ተምሃሮ ኣመሪቑ። እቲ ዩንቨርስቲ ብምሸታዊ፣ ስሩዕ፣ ርሕቐት፣ ክረምትን ኤክስቴንሽንን መርሃ ግብሪ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ኢዩ ሎሚ ዘመረቐ። ብቐዳማይ ዲግሪ፣ ማስተርስን ለቨል 4ን ዝሰልጠኑ ከምዝኾኑ…

ኢትዮጵያ ቅልጡፍን ዘላቒን ኣገልግሎት ትራንስፖርት ንክህልዋ ንምግባር ቁርፀኛ ኢያ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ቅልጡፍን ዘላቒን ኣገልግሎት ትራንስፖርት ንክህልዋ ንምግባር ቁርፀኛ ኢያ ክብላ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ወይዘሮ ዳግማዊት መጎስ ገሊፀን። እተን ሚኒስትር ኣብ ቻይና ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል ካልኣይ ዓለም ለኸ ዘላቒ ኮንፈረንስ…

ዳያስፖራታት ናይ ኣሜሪካ ኣቋም ናይ ምቕያር ዓቕሚ ኣለዎም – ወ/ሮ ሶስና ወጋየሁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምት፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ኢትዮጵያ ዳያስፖራ ማሕበር ኣካቢት ወይዘሮ ሶስና ወጋየሁ÷ ንፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምምራፅ ልዕሊ 800 ሺሕ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ልዑል ኣስተዋፅኦ ነይሩዎም ክብላ ገሊፀን። እተን ኣካቢት፥ እቶም ትውልደ ኢትዮጵያውያን…

ናይ ደምቢዶሎ ዩኒቨርሲቲ 1 ሺሕን 127 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምት፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ደምቢዶሎ ዩኒቨርሲቲ 1 ሺሕን 127 ተምሃሮ ኣመሪቑ። ካብ መንጎ እቶምክ ተመረቕቲ እቶም 85 ብካልኣይ ዲግሪ ዝተመረቑ ኢዮም። እቲ ዩንቨርስቲ ንኣይተ ለንጮ ለታ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ከምዘበርከተሎም ኦቢኤን ዘጊቡ። እዋናዊ ሓበሬታ…

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘህነፆ ፋብሪካ ባኒን ሕሩጭን ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘህነፆ ፋብሪካ ባኒን ሕሩጭን ኣመሪቑ። እቲ ፋብሪካ ዕለታዊ 1 ሚሊየን ባኒ ዘፍሪ እንትከውን፥ 217 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ኢዩ ተባሂሉ። ን450 ሰባት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር እውን ተገሊፁ።…

ብኣይተ ደመቀ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ስራሕቲ ግብርና ይጉብኒ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ስራሕቲ ግብርና ይጉብኒ ኣሎ። ኣብቲ ጉብኚት ናይ ፌዴራልን ክልላትን መንግስቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ተሳቲፎም። ናይቲ ልኡክ ኣባላት…