Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ዶ/ር ኣብረሃም በላይ ኣብ ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ወንጪ-ዳንዲ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዶክተር ኣብረሃም በላይ ኣብ ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ወንጪ-ዳንዲ ዑደት ኣካይዶም። ዶክተር ኣብርሃም በላይ፥ መተሓባበሪ ኣካል መኣዲ ንሃገር ናይ ዝኾነ ፕሮጀክት ወንጪ-ዳንዲ ከምዝኾኑ ይፍለጥ። ብዙፋን ካሳሁን እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦…

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መቐለ ተዘርጊሖም ዝሽየጡ ዕሹጋት ማይ ጠንቂ ጥዕና ሕብረተሰብ ከይኾኑ ጥንቓቐ ክግበር ከመዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ መቐለ ተዘርጊሖም ዝሽየጡ ዕሹጋት ማይ ጠንቂ ጥዕና ሕብረተሰብ ከይኾኑ ጥንቓቐ ክግበር ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ከተማ መቐለ ፃውዒት ኣቕሪቡ። ኣብ ደገ ዕሹጋት ማይ ዘርጊሖም ንዝሸጡ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ስጉምቲ ከምዝወስድ…

ኣበ ድርድር ግድብ ህዳሰ ሓበራዊ ተረባሕነት ብዝሓለወ መገዲ ንኽካየድ ኣባላት “ብላክ ኮከስ” ኣሜሪካ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ ድርድር ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓበራዊ ተረባሕነት መሰረት ብዝገበረ መገዲ ንኽካየድ ኣባላት “ብላክ ኮከስ” ኣሜሪካ ሓቲቶም። ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ፥ ሕዚ እውን ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነትን ምትሕብባርን ዝተመርኮሰ…

ኣብ ከተማ ሰበታ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 5 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሰበታ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 5 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም። ብተወሳኺ ኣብ ለዕሊ ሸሞንተ ሰባት ከቢድ ጉድኣት ከምዘጋጠመ ተገሊፁ። ማእኸላይ ናይ ህዝቢ መኪና ካብ ጀሞ ናብ ኣለምገና እንትትጓዓዝ ፋሪ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብምግልባጣ ዝበፅሐ…

ኢትዮጵያ ፕሮቶኮል ኣረጋውያን ኣፍሪካ ኣፅዲቓ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ቻርተር መሰል ሰባትን ህዝቢታትን ፕሮቶኮል ኣረጋውያን ኣፍሪካ ተቐቢላ ኣፅዲቓ። እቲ ፕሮቶኮል ኣብ ኣፍሪካ ዝርከቡ ቁፅሮም ብዙሓት ዝኾኑ ኣረጋውያንን ድሌቶም ብዝምልከት ብፍሉይ ትኹረት ሂቡ ንምትግባር ዘኽእል መሰሎምን ክግበረሎም ዝግባእ…

ብኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ከተማ በርበራ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ሶማሌላንድ፣ ከተማ በርበራ ኣቲዩ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ  ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ሓዊሱ ሚኒስተር ትራንስፖርት ዳግማዊ ሞገስን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ…

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ከይዲ መረፃ ገምጊሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ከይዲ መረፃ ምግምጋሙ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም። እቲ ግምገማ፥ ኣብ ምድላው ቅድመ መረፃ፣ እዋን መረፃ፣ ተሳትፎ ህዝቢን ብሓፈሻ ከይዲ እቲ መረፃን ዘድሃበ ከምዝነበረ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ…

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌ ላቭሮቭ ተዛቲዮም። ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ክልተኣዊ ርክብን ካልኦት ጉዳያትን ዘድሃበ ከምዝኾነ ኣምባሳደር…

ኣብ ትግራይ ንፀገም ዝተቓልዓ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ንፀገም ዝተቓልዓ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ገንዘብን ሕክምናን እናተገበረ ከምዝኾነ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ። ኣቐባሊት ቃል እቲ ምምሕዳር ዶክተር ኣደዳ ሃይለስላሰ፥ እቲ ሓገዝ ብመንግስቲ ዝተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡…

ውፅኢት መረፃ ብዝምልከት ዝተዛበዐ ሓበሬታ ዘጋውሑ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ይግባእ – ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውፅኢት መረፃ ብዝምልከት ዝተዛበዐ ሓበሬታ ዘጋውሑ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ከምዝግባእ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣተሓሳሲቡ። ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ጌቱ አርጋው ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቆፀራ ድምፂ ምዝዛሙ ስዒቡ ድምፂ…