Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ብመዓርግ ሚኒስትር ፕሬዚዳንት ኣካዳሚ መለስ ዜናዊ ብምዃን ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ብመዓርግ ሚኒስትር ፕሬዚዳንት ኣካዳሚ መለስ ዜናዊ ብምዃን ንኸገልግሉ ከምዝሸሙዎም ፓርቲ ብዕልፅግና ኣፍሊጡ። ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ሓላፊ ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና…

ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ትሕቲ ዝወፅአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዘለዉ ዝተወሰኑ መምርሒታት ምምሕያሽ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ትሕቲ ዝወፅአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዘለዉ ዝተወሰኑ መምርሒታት ምምሕያሽ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ኣብ ኣፈፃፅማ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ…

ኣብ ሞንጎ ፓርቲ ብልፅግናን ህወሓትን ዘሎ ፀገም ተቐራሪብካ ዘይምዘውርራብ ምዃኑ መማኽርቲ ዓበይቲ ዓዲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ፓርቲ ብልፅግናን ህወሓትን ዘሎ ፀገም ተቐራሪብካ ዘይምዝርራብ እምበር ዘይፍታሕ ፀገም ከምዘይኮነ መማኽርቲ ዓበይቲ ዓዲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ መማኽርቲ ክልቲኦም ኣካላት ኣዘራሪቡ ፅቡቕ ምላሽ ከምዝረኸበ ገሊፁ። ኣካቢ መማኽርቲ…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 116 ሰባት እንትርከቡ 7 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 4 ሺሕን 809 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 116 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ሸውዓተ ሰባት ድማ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ…

ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ልምዓት ቡን ክተጣይሽ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤስ ኬ ዝተብሃለ ኩባኒያ ልምዓት ደኒ ደቡብ ኮሪያ ምስ ትካል ግልጋሎት ደኒ ደቡብ ኮሪያ ብምትሕብባር ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ልምዓት ቡን ከተጣይሽ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ልምዓት ቡን ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዘጣይሽ እንትኸውን፥ ኣብቲ ከባቢ 10 ሺሕ ስኩዌር…

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲ ምምሕያሻት ምግባር ከምዝተኸኣለ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣከባቢ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ምቹው፣ ተወዳዳሪን ተመራፂን ንምግባር ተሓሲቡ ብዝተጣየሸ ብሄራዊ ኮሚቴ ኣቢሉ ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲ ምምሕያሽ ከምዝተገበረ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ…

ዓወት ልምዓት ኢትዮጵያ ንዓወት ልምዓት ኣፍሪካ ቁልፊ ምዃኑ ፕዚዳንት ባንኪ ዓለም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓወት ልምዓት ኢትዮጵያ ንዓወት ልምዓት ኣፍሪካ ቁልፊ ምዃኑ ፕዚዳንት ባንኪ ዓለም ዴቪድ ማልፓስ ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት፥ ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ ዘፅደቖ ሓገዝ 250 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣድሂቦም ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዲክተር ኣቢይ…

ግብፂ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘለዋ ተቓውሞ ፖለቲካዊ እምበር ሳይንሳዊ ምኽንያት የብሉን – ግብፃዊ ምሁር

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብፂ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘለዋ ተቓውሞ ፖለቲካዊ እምበር ሳይንሳዊ ምኽንያት ከምዘይብሉ ግብፃዊ ምሁር ስነ-መሬት ፍሩዝ አልባዝ ተዛሪቦም። እቶም ምሁር ምስ ቲዩብ ኤም ቢ ሲ ዓረብኛ ኣብ ዝገበረዉ ፃንሒት ከምዝገለፁዎ፥ “ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ንግብፂ…

ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምዕጋት ምትሕብባር ቻይና-ኣፍካ ዘይትካእ ግደ ኣለዎ – ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምዕጋት ምትሕብባር ቻይና-ኣፍካ ዘይትካእ ግደ ከምዘለዎ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ገሊፆም። ዘተ “ዓለም ለኸ ኢኒሸቲቭ ሓደ መንገዲ ሓደ ቁልፊ” ትማሊ ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ተሳሊጡ። ስግኣት…

ኢትዮጵያ “ዴክሳሜታዞን”  ኣብ ረብሓ ምውዓል ብዝምልከት  ተወሰኽቲ መፅናዕትታት ተተኣኻኽብ ከምዘላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)“ዴክሳሜታዞን” ዝተብሃለ መድሓኒት ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ብፅኑዕ ንዝሓመሙ ሰባት ካብቲ ሕማም ንኽገላገሉ ዝሕግዝ ኢዩ ምባሉ ስዒቡ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ መፅናዕትታት ተተኣኻኽብ ከምዘላ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ተመራመርቲ ብሪታኒያ ቅድሚ ውሱናት መዓልታት…