Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ኣብ ምሕላው ፅሬት ሰራሕተኛታት ፋብሪካን ጨርቀ መርቂ ኢንዱስትሪን ግንዛበ ንምዕባይ ዘኽእል ወፍሪ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢንዱስትሪ ጨርቀ መርቂ፣ ቆርበትን ክዳውንቲን ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላው ፅሬት ሰራሕተኛታት ፋብሪካን ጨርቀ መርቂ ኢንዱስትሪን ግንዛበ ንምዕባይ ዘኽእል ወፍሪ ዕላዊ ገይሩ። እቲ ዓውዲ ካብ ምዕባይ ጎድና ጎድኒ ኣብዚ…

ደቡብ ኮሪያ ኣብ ዙርያ ዳግመ ግረባን ቀፃልነትን ልምዓት ደኒ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ክትሰርሕ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ደቡብ ኮሪያ ኣብ ዙርያ ዳግመ ግረባን ቀፃልነትን ልምዓት ደኒ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ክትሰርሕ ኢያ። ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ደኒ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ድማ ኮሚሽን ከባቢ፣ ደኒን ንብረት ኣየርን ኢትዮጵያን ግልጋሎት ደኒ ደቡብ ኮሪያን…

ማይ ኣባይ ንብሕተይ ክጥቀም ዝብል ናይ ግብፂ ቅዋም ንዝተጀመረ ድርድር ማሕለኻ ኮይኑ ኢዩ – ኣይተ ገዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማይ ኣባይ ንብሕተይ ክጥቀም ዝብል ናይ ግብፂ ቅዋም ነቲ ከም ብሓዱሽ ዝተጀመረ ድርድር ማሕለኻ ምዃኑ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ገሊፆም። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ፥ ሓምሻይ መዓልቱ ኣብ ዝሓዘ ሰለስተኣዊ…

ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ካናዳ መዘነኦም ጀስቲን ትሩዶ ብስልኪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ብስልኪ ተዛቲዮም። ዶክተር ኣቢይ ነቲ ዘተ ኣመልኪቶም ኣብ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ ህዝቢታት ክልቲአና ሃገራት ድሕሪ ኮቪድ-19 ዝህሉ ኩነታት ዓለም…

ማሕበር ኣክሲዮን ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ካፕቴናት ባቡር ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማሕበር ኣክሲዮን ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ንፈለማ እዋን ካፕቴናት ባቡር ኣመሪቑ። ቁፅሪ እቶም ተመረቕቲ 34 እንትኸውን፥ ን6 ኣዋርሕ ኣብ ቻይና ስልጠነኦም ክከታተሉ ከምዝፀንሑ ተገሊፁ። ሚኒስትር መጓዓዚያ ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ኣብ ዘመሓላለፍኦ…

ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 109 ሰባት ብቫይረስኮሮና እንትተሓዙ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 118 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 102 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 109 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ሓደ ሰብ ድማ ህይወቱ ከምዝሰኣነ ተገሊፁ። በቲ ቫይረስ…

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ 3 ሰባት ቫይረስኮሮና ተረኺብዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ስዓታት 393 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮ ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸበን ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ዕድሚኦም ካብ 27 ክሳብ 45 ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ። ብኻሊእ መዳይ ኣብ…

ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ንዘካየደቶ ምክልኻል ቫይረስኮሮና ዝውዕል 19 ቢሊየን ብር ድጋፍ ከምዝገበራ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ንዘካየደቶ ምክልኻል ቫይረስኮሮና ሕብረት ኣውሮፓን ኣባል ሃገራትን 19 ቢሊየን ብር ደገፍ ከምዝገበሩ ተገሊፁ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣውሮፓ ከምዝበሎ፥ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ንዘስዓቦ ቅልውላው ዝውዕልን እተን…

ሜጀር ጄኔራል ከፍያለው ኣምዴ ኣዛዚ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ግዝኣት ኣብዬ ብምዃን ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሜጀር ጄኔራል ከፍያለው ኣምዴ ተሰማ ኣዛዚ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ግዝኣት ኣብዬ ዝተዋፈረ ሰራዊት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንክኾኑ ዋና ፀሓፊ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ሸይመሙዎም። ሜጀር ጄኔራል ከፍያለው ፃንሒት እዋን ስርሖም ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ሓምለ ንዝዛዝሙ…

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዝገብርኡ ድርድር ትማሊ እውን ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዝገብርኡ ድርድር ትማሊ እውን ተሳሊጡ። ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ እቲ ዝተሳለጠ ድርድር ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ክሊ ኣመላልኣ ግድብ ህዳሰን ዓመታዊ ፍፃመ…