Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ኣይ ኤም ኤፍ ንኢትዮጵያ ሓገዝ 411 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣፅዲቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቦርድ ትካል ዓለም ለኸ ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ ) ብምዕቐፍ ኣሰራርሓ ቅልጡፍ ገንዘባዊ ሓገዝ እቲ ትካል ኣቢሉ ንኢትዮጵያ ሓገዝ 411 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣፅዲቑ።
ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ንምጥንኻር ዝውዕል ሓገዝ…
ኢትዮጵያ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምቁፅፃር ዓሊሙ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝጀመሮ ተበግሶ ትድግፍ ኢያ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምቁፅፃር ዓሊሙ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝጀመሮ ተበግሶ ከምእትድግፍ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።
ኢትዮጵያ ፈንድ ኮቪድ-19 ዘስዕቦ ሓደጋ ንምቁፅፃር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንምድጋፍ ብምሕሳብ በዓል…
ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት 131 በፂሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 1 ሺሕን 408 ሰባት ምርማራ ላቦራቶሪ ቫይረስከኮሮና ከምዝተገበረሎም ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ከምዝበልኡ፥ ካብቶም ምርመራ ዝተገበረሎም ሓደ ሰብ በቲ ቫይረስ…
ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምርጫ ብዝምልከት ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ ብዝርዝር ንምርኣይ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ተመሪሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሳሊጡ።
እቲ ባይቶ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣብ ዘሳለጦ ኣኼብኡ፥ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሎሚ ዘበን ዝሳለጥ ሓፈሻዊ ምርጫ ብዝምልከት ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ ርእዩ።
ኣካቢት እቲ…
“ንግስተ ነገስት ዘኢትዮጵያ” ብዝብል መፀውዒ ንባዕላ ዝሰየመት እህተ ማርያም ብዝብል ስም እትፅዋዕ ውልቀ ሰብ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓለት ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)“ንግስተ ነገስት ዘኢትዮጵያ” ብዝብል መፀውዒ ንባዕላ ዝሰየመት እህተ ማርያም ብዝብል ስም እትፅዋዕ ውልቀ ሰብ ትማሊ ምሸት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለት ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
እታ ውልቀ ሰብ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ብዝፃረር መገዲ ብስም እምነት…
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ደረጀኦም ዘይሓለዉ ልዕሊ 33 ሺሕ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ተታሒዞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፍልፍሎም ዘይተፈለጠን ደረጀኦም ዘይሓለዉን ልዕሊ 33 ሺሕ መሸፈኒ ገፅ(ማስክ)ን 4 ሺሕን 452 ሊትሮ መንፅሂ ኢድ ዛኒታይዘራትን ተታሒዞም።
በዓል መዚ ቁፅፅርን ምምሕዳርን ጥዕና ምግቢን ኣፋውስን ኣዲስ ኣበባ፥ ቫይረስ ኮሮና ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ…
መኸተ ቫይረስ ኮሮና ናይ ሓደ እዋን ወፍሪ ተገይሩ ክርአ የብሉን – ግብረ ሓይሊ ምክልካል ቫይረስ ኮሮና ትግራይ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መኸተ ቫይረስ ኮሮና ናይ ሓደ እዋን ወፍሪ ተገይሩ ክርአ ከምዘይግባእ ንኡስ ኮሚቴ ግብረ ሓይሊ ምክልካል ቫይረስ ኮሮና ክልል ትግራይ ገሊፁ።
እቲ ዝወፀ ድንጋገ ህፁፅ እዋን እናተጥሓሰ ከምዝርከብን መንግስቲ እቲ ድንጋገ ኣብ ዘየኽብሩ ኣካላት ስጉምቲ…
ኣብ ዩኒቨርሲቱ ኣኽሱም ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ዝነበሩ164 ተጓዓዝቲ ካፍቲ ቫይረስ ናፃ ስለዝኾኑ ነናብ ስድረኦም ተሰዲዶም።
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቱ ኣኽሱም ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ክትትል ዝግበረሎም ካብ ሞንጎ ዝግበረሎም ዘሎ 467 ተጓዓዝቲ እቶም 164 ካፍቲ ቫይረስ ናፃ ስለዝኾኑ ነናብ ስድረኦም ተሰዲዶም።
ዩኒቨርሲቱ ኣኽሱም፥ ሕብረተሰብ ካብ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምሕላው…
ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተመሓላሊፎም ዝተረኸቡ 9 ውልቀሰባት ብገንዘብ ተቐፂዖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተመሓላሊፎም ዝተኸሰሱ ትሽዓተ ውልቀሰባት ቅፅዓት ገንዘብ ተበይኑሎም።
እቶም ወልቀሰባት 9 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ፀባብ ኣብ ዝኾነት ሓንቲ ክፍሊ ውሽጢ ጫት እናቐሓሙ ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥…
ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 4 ሰባት ተረኺቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 766 ሰባት ምርመራ ላቦራቶሪ ከምዝተገበረሎም ዝሓበራ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ካብዚኦም እቶም ኣርባዕተ…