Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ሓድነት ህዝቢ ንኽሽርሸር ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ፓርቲታት ፖለቲካን መራኸብቲ ሓፋሽን ስጉምቲ ክውሰድ̕ዩ – መንግስቲ
ኣዲስ አበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ባህሊ ሓቢርካ ምንባርን ሓድነትን ህዝቢ ንኽሽርሸር ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ፓርቲታት ፖለቲካን መራኸብቲ ሓፋሽን ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ንፋና ብሮድካስቲንግ…
ንተምሳሌት ሰላም ዓበይቲ ዓዲ ጋሞ ዝዝክር ሲምፖዚየም ባህሊ ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንተምሳሌት ሰላም ዓበይቲ ዓዲ ጋሞ ዝዝክር ሲምፖዚየም ባህሊ ሎሚ መዓልቲ ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ ሲምፖዚየም፥ “ተምሳሌት ሰላም ዓበይቲ ዓዲ ጋሞ ንህንፀት ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሚሊኒየም እናተሳለጠ ዝርከብ።…
ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ልኡኽ መሻርኽቲ ትምህርቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ
አዲስ አበባ፣ የካቲት 30፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ልኡኽ መሻርኽቲ ትምህርቲ ሎሚ መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ።
እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዛካይዱ እንትኾኑ፥ ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያን ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ…
ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ምስ ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተዛትዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተዛትዮም።
ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ኩነታት ሃገር ዘድሃበ ዘተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እናተሰርሑ ዝርከቡ…
ተጋሩ ነበርቲ ዓፋር ወረዳ ኢሬብቲ ማልት ንእተሳልጦም ስራሕቲ ልምዓት ዝኸውን ሓገዝ ገንዘብ ገይሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ወረዳ ኢሬብቲ ዝነብሩ ተጋሩ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንእተሳልጦም ስራሕቲ ልምዓት ዝኸውን ሓገዝ ገንዘብ ገይሮም።
እቶም 16 ሺሕን 909 ብር ዘወፈዩ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት፣ ነጋዶ፣ ሰራሕተኛታት ኣብያተ ፅሕፈት…
ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዘኽእሉ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዘኽእል ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።
ብሄራዊ ኮሚቴ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ቫይረስ ኮሮና ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ መዓልቲ ስራሕቱ ገምጊሙ።
እቲ ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ…
ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ መሰሉ ንምርግጋፅ ኣብ ዘካየዶ ቃልሲ እጃም ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝዓዘዘ ነይሩ – ዶ/ር ደብረፂዮን
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክትር ደብረፂዮን ገብሚካኤል ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ (ማርች 8) ብዝምልከት ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም
እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መልእኽቶም፥ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊን…
ማዕረ ተጠቃምነትን ፍትሓውነትን ህዝቢ ትግራይ ንኽረጋገፅ ከምእንቃለስ ወሲና-ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)"ምርግጋፅ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ" ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ዝካየድ ዝነበረ መስራቲ ጉባኤ ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ ተዛዚሙ።
እቲ ኣብ ትግራይ ንፈለማ እዋን ዝተሳለጠ መስራቲ ጉባኤ 23 ማሕበራትን ሰለስተ…
ኣብ ነቀምቴ ኣብ ውሽጢ ገዛ ብዝተፈጠረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ብዝተፈጠረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወት ክልተ ሰባት እንትሓልፍ ካልኦት ክልተ ሰባት ከቢድ ጉድኣት ቃፀሎ በፂሑዎም።
ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ክፍሊ ምርመራ ገበን ኢንስፔክተር ማርቆስ ዋጋሪ ንፋና…
ኣዴታትናን ኣሓትናን ደጀን ብምዃን ዘይደገፈኦ ዝኾነ ይኹን ኢትዮጵያዊ ዓወት የለን – ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፅባሕ 29 ለካቲት 2012 ዓ.ም ዝኽበር በዓል ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪቶም ናይ እንኳን ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቢክ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ…