Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ሚኒስቴር ሰላም ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ጉዳይ ሰላምን ልዕልነት ሕጊን ኣድሂቡ ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ይዛተ ኣሎ። “ነጋዶ ማሕበረሰብ ንህንፀት ሃገራዊ ሰላም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እቲ መድረኽ ዘተ እናተኻየደ ዝርከብ። ኣብቲ መድረኽ ደቂ ኣንስትዮ ነጋዶ ኣብ…

መርሃ ግብሪ ምሃብ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓታ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ምሃብ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓታ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ። ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣዳራሽ ገልማ ኣባ ገዳ ምክያድ ዝጀመረ እቲ ስልጠና፥ ክሳብ 2 ለካቲት 2012 ዓ.ም ከምዝቕፅል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና…

ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ስሩዕ ጉባኤኡ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 5ይ ዘበን ስራሕ መበል 18 ስሩዕ ጉባኤኡ ምክያድ ጀሚሩ። ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ እናተሳለጠ ዝርከብ እቲ ጉበባኤ፥ ንሓሙሽተ መዓልቲታት ከምዝፀንሕ ተገሊፁ። ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት…

ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ስራሕቲ ምርመራ ቫይረስ ኖቭል ኮሮና ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕማም ቫይረስ ኖቭል ኮሮና ንምክልኻል ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ኩሎም ተጓዓዝቲ ስራሕቲ ምርመራ ሙቐት ሰውነት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ። ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፥ ሕማም ቫይረስ ኖቭል ኮሮና…

ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኢ/ር ታከለ ኡማ ዝቐረበሉ ሽመት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2012 (ኢፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምክትል ከንቲባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ዝቐረበሉ ሽመት ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ኣፅዲቑ። ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝተረኸቡ 89 ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ፥ ነቲ ሽመት 79 ድጋፍ 3 ተቓውሞን 7 ድምፀ ተዓቅቦን ብድምፂ…

ቤት ምኽሪ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኤጀንሲ ምገባ ተምሃሮ ንኽጣየሽ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2012 (ኢፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኤጀንሲ ምገባ ተምሃሮ ንኽጣየሽ ወሲኑ። እቲ ቤት ምኽሪ፥ ካብ ሎሚ መዓለቲ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ 7ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ እናካየደ ይርከብ። ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕልኡ ድማ…

ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ርክባት ዘጠናኸረትሉን ረብሓኣ ዘሕለወትሉን ከምዝነበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስዊዘርላንድ ዳቮስ ዝተካየደ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም የዓለም ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ርክባት ዘጠናኸረትሉን ረብሓኣ ዘሕለወትሉን ከምዝነበረ ተገሊፁ። ብምክትል ቀዳማይ ሚኒትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ…

ፕሬዚዳንት ጂቡቲ ኢስማኢል ኦማር ጊሌ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ጂቡቲ ኢስማኢል ኦማር ጊሌ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ተዛትዮም። እቶም ፕሬዚዳንት ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ትማሊ ዕለት ከምዝተዛተዩ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ…

ቤት ምኽሪ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ስሩዕ ኣኼቡኡ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኢፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ 7ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ከካይድ ኢዩ። እቲ ስሩዕ ኣኼባ ንሰለስተ መዓልቲታት ከምዝካየድ ቤት ፅሕፈት እቲ ቤት ምኽሪ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።…

ኢትዮጵያ ንኹሉ ዝሓቁፍ ስርዓት ፋይናንስ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ምሕጋዝ ደኣንት ትኹረት ሂባ እናሰርሐት ምዃና ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኢፍ ቢ ሲ)ኣብ ዳቮስ ዝሳለጥ ዘሎ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም “ካብ ውልቀ ሰብ ዝሓለፈ ንኹሉ ዝሓቁፍ  ግደ ፋይናንስ፣ ደቀቕቲ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት” ብዝብል ርእሲ ዘተ ተኻይዱ። ኣብቲ ፎረም ኣብ ዓበይቲ ሃገራት ሓቛፋይነት ፋይናንስ ንምስፍሓፋሕ…