Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ቤት ምኽሪ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ስሩዕ ኣኼቡኡ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኢፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ 7ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ከካይድ ኢዩ። እቲ ስሩዕ ኣኼባ ንሰለስተ መዓልቲታት ከምዝካየድ ቤት ፅሕፈት እቲ ቤት ምኽሪ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።…

ኢትዮጵያ ንኹሉ ዝሓቁፍ ስርዓት ፋይናንስ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ምሕጋዝ ደኣንት ትኹረት ሂባ እናሰርሐት ምዃና ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኢፍ ቢ ሲ)ኣብ ዳቮስ ዝሳለጥ ዘሎ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም “ካብ ውልቀ ሰብ ዝሓለፈ ንኹሉ ዝሓቁፍ  ግደ ፋይናንስ፣ ደቀቕቲ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት” ብዝብል ርእሲ ዘተ ተኻይዱ። ኣብቲ ፎረም ኣብ ዓበይቲ ሃገራት ሓቛፋይነት ፋይናንስ ንምስፍሓፋሕ…

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ሓላፍነቱ ብመንፅር ዝተጣየሸሉ ዕላማ ብኣግባባቡ ክዋፃእ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል ሓምሻይ ዘበን ስራሕ ዓስራይ ስሩዕ ጉባኤኡ፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ ዓመተ 2012 ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣዳሚፁ። ነቲ ፀብፃብ ዘቕረቡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል…

ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላም ንክረጋገፅ እትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላም ንክረጋገፅን ኣህጉራዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ንክፍጠርን ዓሊማ እትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ተዛሪቦም። መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ሓደ መድረኽ ዝተኣከብሉ መድረኽ…

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ዘድሃበ ዘተ ኣብ ካርቱም የካይዳ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ዘድሃበ ናይ መወዳእታ ረቂቕ ስምምዕነት ንምድላው ዝዓለመ ዘተ ኣብ ካርቱም የካይዳ ኣለዋ። እተን ሃገራት ዘካይድኡ ዘለዋ ዘተ ትማሊ ኢዩ ጀሚሩ። ሰብ ሞያታት ቴክኒክን ሕጊን…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ካብ ክልል ደቡብ ምስ ዝተውፃእፅኡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር  ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ክልል ደቡብ ምስ ዝተውፃእፅኡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ተዛትዮም። ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተሳለጠ እቲ ዘተ፥ ልዕሊ 2 ሺሕ ዝኾኑ ተወከልቲ ተረኺቦም። ካብ ኩለን ዞባታት እቲ…

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቅድመን ድሕረን ሃገራዊን ክልላዊን ምርጫ ኢትዮጵያ ድጋፍ ንክገብር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቅድመን ድሕረን ሃገራዊን ክልላዊን ምርጫ ኢትዮጵያ ድጋፍ ንክገብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሓቲቱ። ተወከልቲ ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓን ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢን ኣብ 2012 ዓ.ም ዝካየደ ሃገራዊ ምርጫ…

ረቂቕ ኣዋጅ ስርዓት ርክብ መንግስታት ፌዴራልን ክልልን ዳግም ንኽረአ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ረቂቕ ኣዋጅ ስርዓት ርክብ መንግስታት ፌዴራልን ክልልን ዳግም ንኽፍተሸ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሓቲቱ። እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ረቂቕ ኣዋጅ ስርዓት ርክብ መንግስታት ፌዴራልን ክልልን ብዝምልከት ትማሊ ምስ…

ኢትዮጵያ ስርዓት ኣገልግሎት ሎጅስቲክስን ትራንስፖርትን ዘመናዊ ንምግባር ትሰርሕ ከምዘላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ጥሪ ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ስርዓት ኣገልግሎት ሎጅስቲክስን ትራንስፖርትን ዘመናዊ ንምግባር ትሰርሕ ከምዘላ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም። ኣብ ዳቮስ ኣብዝካየድ ዘሎ ፎረም ኢኮኖሚክ ስርዓት ኣገልግሎት ሎጅስቲክስን ትራንስፖርትን ብዝምልከት…

ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣዋጅ ምምሕያሽ ኣወዳድባ ወረዳን ጣቢያን ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ሓምሻይ ዘበን ስራሕ መበል ዓስራይ ስሩዕ ጉባኤኡ ጉሙዝ ኣዋጅ ምምሕያሽ ኣወዳድባ ወረዳን ጣቢያን ኣፅዲቑ። ብተወሳኺ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ አሻድሊ ሃሰን ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሽዱሽተ…