Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ኣብ ረቀቕቲ ሕጊታት ሽግግር ፍትሒ ጠመተ ዝገበረ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ፍትሒ ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ንምትግባር ኣብ ዝተሰናድኡ ረቀቕቲ ማዕቐፋት ሕጊ ጠመተ ብምግባር ዘዳለዎ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። ሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርኣያ ስላሴ፥ ምክትል ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል…

ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ፕሮጀክታት ህንፀት መስኖ ዝረኣዩ ፀገማት ብሕብረተሰ ቅርታ ከምዝፈጠሩ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓበይቲ ህንፀት ፕሮጀክታት መስኖ ዝረኣዩ ፀገማት ኣብ ሕብረተሰብ ቅርታ እናፈጠሩ ከምዝኾኑ ኣባላት ባይ ወከልቲ ህዝቢ ገሊፆም፡፡ 6ይ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 10ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ሎሚ መዓልቲ ኣካይዱ፡፡ ኣብቲ…

ኣብ ገላን ጉራ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር ጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትማሊ ዝተመረቓ ኣብ ገላን ጉራ ዝርከባ ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር ጀሚረን። እቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዘጀመሩ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዘላለም ሙላቱ(ዶ/ር) ኢዮም። እቶም ሓላፊ፥ ተምሃሮ ንምምሃር…

ፋብሪካ ቴራናይት ሰላም ፍርያት ምፍራይ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ትግራይ ብልዕሊ 1 ቢልየን ብር ካፒታል ዝተሃነፀ ፈላማይ መፍረዪ ቴራናይት ዝኾነ ፋብሪካ ቴራናይት ሰላም ምህርቲ ምምራት ጀሚሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ስነ ዝተመረቐ ፍብሪካ ቴራናይት ሰላም፤ ኣብ ትግራይ ፈላማይ ቴራናይት መፍረዪ ከምዝኾነ…

ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) ምስ ኣባላት ብሄራዊ ኮሚቴ ድርድር ትካል ንግዲ ዓለም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) ጄኔቫ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ትካል ንግዲ ዓለም ምስ ኣባላት ብሄራዊ ኮሚቴ ድርድር ትካል ንግዲ ዓለም ተዛቲዮም፡፡ ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ተካይዶ 5ይ ኣኼባ…

ኢትዮጵያን ኣልጄሪያን ብዓውዲ ቴክኖሎጂ ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)3ይ ጉባኤን ዓውደ ምርኢትን ስታርት ኣፕ ኣፍሪካ ኣብ ኣልጄሪያ ኣልጀርስ ይካየድ ኣሎ። ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ፍልጠት፣ ኢኮኖሚ፣ ስታርት ኣፕን ማይክሮ ኢንተርፕራይዝን…

ዴንማርክ ንኢንሼቲቭ ክሌማዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ደገፍ ከምእትገበር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዴንማርክ ንኢንሼቲቭ ክሌማዊ ለውጢን ሓምለዋይ ኣሰርን ኢትዮጵያ ደገፍ ከምእትገበር ሚኒስትር ገንዘብ እታ ሃገር ኒኮላይ ዋመን ገሊፆም። ሚኒስትር ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ሚኒስትር ገንዘብ ዴንማርክ ኒኮላይ ዋመን ዘቲዮም። ኣብቲ ዘተ፥…

ህይወት ሰባት ንምምሕያሽ ልዑል ትኹረት ሂብና ንሰርሕ ኣለና – ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ህይወት ሰባት ንምምሕያሽን ተረባሕነት ነበርቲናን ንምርግጋፅን ልዑል ትኹረት ሂብና ንሰርሕ ኣለና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡ እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ “ሎሚ መዓልቲ…

ልኡኽ ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ፍሉይ ዞባታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ቼክ ሪፐብሊክ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ቢዚነስ ኣብ ፍሉይ ዞባታት ኢኮኖሚ ቦሌ ለሚን ቂሊንጦን ዑደት ኣሳሊጦም። እቲ ልኡኽ ኣብ ምግጥጣም መኪና፣ ምፍራይ ናውቲታት ሕክምና፣ ንግዲን ካልኦት ተዛመድትቲ ዓውዲታትን ንምውፋር…

ኣብ ምሕደራ ዕድጊት ንብረት ብሬል ዝተሰናደአ ኣዋጅ ዕላዊ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣዋጅ ምሕደራ ዕድጊት ንብረት መንግስቲ ፌዴራል ቁፅሪ 1333/2016 ብቋንቋ ኣምሓርኛን እንግሊዝኛን ብብሬል ተሰናዲኡ ንዓይነ ስዉራን ዜጋታት ንኣገልግሎት ቀሪቡ፡፡ ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሺዴ ኣብቲ እዋን÷ እቲ ኣዋጅ ብብሬል ንኽሰናዳእ ዝተገበረ…