Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ወረዳ ገዜ ጎፋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታ 2 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታ 2 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ።
ምክትል ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ኣገልግሎት ርስቱ ይርዳ በቲ ሓደጋ ጉድኣት ዝበፅሖም ዜጋታት ኣብቲ ቦታ…
ልኡኽ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ኣብ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ወገናት ኣፅናዕኒዑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልኡኽ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ኣብ ወረዳ ገዜ ጎፋ ጋህሲ መሬት ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ ቦታ ብምርካብ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት 85 ቶን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣረኪቡ።
ብፕሬዚዳንት ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ዝተልኣኸ ልኡኽ ኣብቲ ቦታ…
ኣብ ሩባ ተከዘ ብጃልባ ተሳፊሮም እናተጓዓዙ ናይ ዝነበሩ 12 ሰባት ህይወት ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ብሄረ ሰብ ዋግ ህምራ ካብ ወረዳ ሰሃላ ሰዬምት ናብ ወረዳ ዝቋላ ብሩባ ተከዘ ብጀልባ እናተጓዓዙ ዝነበሩ 12 ሰባት ብሃንደበታዊ ሓደጋ ውሕጅ ህይወቶም ሓሊፉ፡፡
መበገሲኦም ወረዳ ሰሃላ ሰዬምት ከተማ መሸሃን ቀበሌ ሰላዝጌን ብምግባር ናብ…
ኣብ ወረዳ ይርጋጨፌ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 3 ሰባት ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ጌዴኦ ወረዳ ይርጋጨፌ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 3 ሰባት ሓሊፉ።
መበገሲኣ ሞያሌ ዝገበረትን ዘበናዊ ዱኽዒ መዳበሪያ ዝፀዓነት ከባድ ተሽከርካሪት ምስ ሞተር ሳይክል ብምግጫዋ ዘጋጠመ ሓደጋ ኢዩ ተባሂሉ፡፡
እቲ ሓደጋ ትራፊክ ኣብ…
ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ሪፐብሊክ ደቡብ ሱዳን ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ሪፐብሊክ ደቡብ ሱዳን ተዛቲዮም።
እቶም ላዕለዎት ወታደራዊ ኣመራርሓ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ከምኡ እውን ሓበራዊ ድሕንነት ምሕላው ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት…
ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ መርሃ ግብሪ ሓለዋይ ኣሰር ኣካይዶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተሳተፉሉ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓለዋይ ኣሰር ተኻይዱ።
"እትተክል ሃገር ዘፅንዕ ወለዶ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣሰሮም…
ሚኒስቴር ምክልኻል ብሓደጋ ጋህሲ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ሓገዝ ገይሩ
አዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ 21፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ምክልኻል ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ቀበሌ ኬንቾ ሻቻ ጎዝዲብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ልዕሊ 6 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ምግቢን ነናውቲን ገይሩ።
እቲ ሓገዝ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ዘረከቡ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ…
ሕቡራት ኤሜሬትስ ዓረብ ኣብ ወረዳ ገዜ ጎፋ ንዘጋጠመ ሓደጋ ዝውዕል ሰብኣዊ ደገፍ ገይራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕቡራት ኤሜሬትስ ዓረብ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ንዝተጎድኤ ወገናት ዝውዕል ሰብኣዊ ደገፍ ገይራ።
ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሸን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ሎሚ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ውድብ ሕቡራት…
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኣብ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ኣፅናዕኒዖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ክሳብ ሐዚ 231 ዜጋታት ህይወቶም ብዘስኣነ ጋህሲ መሬት ዞባ ጎፋ ዝተጎድኡ ቤተሰብን ማሕበረሰብን ብኣካል ንምፅንዕናዕ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትርን ቀዳማዊት…
ኣብ ክልል ትግራይ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 53 ሺሕ ሄክታር መሬት ብፈልሲ ክሽፈን ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 53 ሺሕ ሄክታር መሬት ብፈልሲ ክሽፈን ኢዩ ክብል ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ።
ዳይሬክተር ልምዓት፣ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ደኒ እቲ ቢሮ ኣይተ ተስፋይ…