Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

መሰልጠኒ ኮንቲንጀንት ሁርሶ መሰረታዊ ወተሃደራት የመርቕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል መሰልጠኒ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቤት ትምህርቲ ኮንቲንጀንት ሁርሶ ብመሰረታዊ ወተሃደርነት ዘሰልጠኖም ወተሃደራት የመርቕ ኣሎ። እቲ ማእኸል ዘመርቖም ዘሎ ወተሃደራት ሻምናይ ዙር ሰልጠንቲ ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ። እቶም…

1 ሺሕን 178 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕን 178 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ኣፍሊጡ፡፡ ንተመለስቲ ወገናት ሓገዝ ብምግባር ምስ ስድረኦም ናይ ምፅምባር ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር…

ዝተመዘገበ ዕቤት ኢኮኖሚ ቀፃልነት ንኽህልዎ ክስራሕ ኢዩ – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመዘገበ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ቀፃልነት ንኽህልዎ መፍረያይነት ዘዕብዩ ስራሕቲ ብትኹረት ክስራሕ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡ ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ 2016 ዓ.ም መንግስቲ ምስ…

ብኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል እናተመርሐ ዝነበረ ኮንፈረንስ ሰላም ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ብምስታፍ ካብ 11 ክሳብ 12 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ ደሴ እናተኻየደ ዝፀንሐ ኮንፈረንስ ሰላም ተዛዚሙ፡፡ ኣብ መዛዘሚ እቲ ኮንፈረንስ ተዛተይቲ ንዘውፅኡዎ መግለፂ ቅዋም÷…

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ብሪክስ ዓለም ለኻዊ ምሕዝነታ ክተመስክር ከምዝኸኣለት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሩሲያ ቪላዲቮስቶክ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ፎረም ኣባል ሃገራት ፓርቲታት ፖለቲካ ብሪክስ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ÷ ኣብ መዛዘሚ እቲ ጉባኤ 24 ነጥቢታ ዝሓዘ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ንዕዉትነቱ ከምዝሰርሑ ቃል ኣቲዮም። ኢትዮጵያ…

ኣብ ሑመራን ከባኡን ዝተቋረፀ ሓይሊ መሊስካ ንምርኻ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሑመራን ከባቢኡን ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ምኽንያት ዝተቛረፀ ሓይሊ መሊስካ ንምርኻብ ዘኽእል ስራሕ ከምዝተጀመረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ ካብ ሽረ- ሑመራ ኣብ ዝተዘርገሐ በዓል 230 ኪሎ ቮልት ልዑል መተሓላለፊ ኤሌክትሪክ ዝሽከም ናይ…

መድረኽ ምልዕዓል ኣገልግሎት ወለንታ እዋን ክረምቲ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸቡሉ መድረኽ ምልዕዓል ኣገልግሎት ወለንታ እዋን ክረምቲ ኣብ ዝኽሪ ዓድዋ ዓድዋ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዱኣለም፣ ሚኒስትር…

ሕሙም ኣሳፊራ ናብ ሆስፒታል እናተጓዓዘት ዝነበረት ኣምቡላንስ ብምግልባጣ ህይወት 3 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ወረዳ ዳሰነች ሕሙም ኣሳፊራ ንዝሐሸ ሕክምና ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ጂንካ እናተጓዓዘት ዝነበረት ኣምቡላንስ ብምግልባጣ ህይወት ሰለስተ ሰባት እንትሓልፍ አርባዕተ ሰባት ከቢድ ጉድኣት በፂሑዎም። እቲ ሓደጋ ኣብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ወረዳ በና ፀማይ ቀበሌ…

ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት ኢሜግሬሽንን ዜግነትን ጨንፈር መቐለ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት ኢሜግሬሽንን ዜግነትን ጨንፈር መቐለ ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ተገሊፁ። እቲ ብግዝያዊነት ዝተጀመረ፥ ምሕዳስ ፓስፖርት፣ ዝጠፈአ ምትካእን ዝተበላሽወ ምእራምን ምዃኑ ኣብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣይሻ መሃመድ(ኢ/ር) ምስ ኣምባሳደር ጣሊያን ዘቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣይሻ መሃመድ(ኢ/ር) ምስ ኣምባሳደር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣጎሰቲኒ ፓሌዝ ዘቲየን። እቲ ዘተ ታሪኻዊ ዝኾነ ክልቲኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ምትሕብባራት ንምስፋሕን ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ…