Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

መድረኽ ምፍላጥ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮ-ቻይና ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ምፍላጥ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮ-ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ዴኤታ ኢንዱስትሪ ሃሰን መሃመድ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው፣ ሓለፍቲ ስራሕ ቤት ምኽሪ ዘፈር ንግዲን ማሕበራትን ኣዲስ ኣበባን…

ኣኼባ ሓለፍቲ ዓቀብቲ ሕጊ ሃገራት ብሪክስ መግለፂ ሓበራዊ ስምምዕነት ብምሃብ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሩሲያ ከተማ ሴንት ፒተርስበርግ ዝሳለጥ ዝነበረ ኣኼባ ሓለፍቲ ዓቀብቲ ሕጊ ሃገራት ብሪክስ መግለፂ ሓበራዊ ስምምዕነት ብምሃብ ተዛዚሙ። እቲ ኣኼባ ካብ 10 ክሳብ 14 ሰነ 2016 ዓ.ም ዝተሳለጠ እንትኸውን፥ ዲጂታል መፍትሒ ንምክልኻል ገበንን…

ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ደቡብ ኣፍሪካ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ታሪካ ክልተ ከይዲታት ሃገራዊ ዘተ ኣሳሊጣ ኢያ። ኮዴሳ (Convention for a Democratic South Africa - CODESA) ብዝብል ዝፍለጥን ካብ 1991 ክሳብ 1993 ዓ.ም.ፈ ዝተሳለጠን ከይዲ ዘተ ኣብታ ሃገር…

ስራሕቲ ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ኣብ ወርሒ ሓምለ  ከምዝጅመር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ኣብ ወርሒ ሓምለ 2016 ዓ.ም ከምዝጅመር ተገሊፁ። ብኣምባሳደር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣጎስቲኖ ፓሌሴ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብመዃን ኣብ ሓወልቲ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተቐመጠ ኣሰራርሓ ወፃእ ኣብ ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ወሰኽ ምግባርን ውዕሊ ክራይ ምቁራፅን ፍፁም ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተቐመጠ ኣሰራርሓ ወፃእ ኣብ ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ወሰኽ ምግባርን ውዕሊ ክራይ ምቁራፅን ፍፁም ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ቢሮ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ እታ ከተማ ኣፍሊጡ። ፈትሓዊ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ዝፈጥሮ…

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘሳለጦ መበል 36 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ። እቲ ቤት ምኽሪ ዓለም ለኸ ኣቪዬሽን ኮንቬንሽንን ንምምሕያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብምዝታይ፥ እቲ ኮንቬንሽን ምምሕያሹ…

ሕቶ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 170 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ምምላስ ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ እዚ ባጀት ዓመት ሕቶ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 170 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ምምላስ ከምዝተኽኣለ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ገሊፁ። ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ኢትዩጵያ ተፍሪ እቲ ሚኒስቴር፥ ኣፈፃፅማ ስራሕ ኢትዮጵያ ተፍሪ 10 ኣዋርሕ…

ልዕሊ 70 ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ዝተሳተፉሉ መድረኽ ጎስጓስ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 70 ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ዝተሳተፉሉ መድረኽ ጎስጓስ ይካየድ ኣሎ። እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ፥ “መሬትና ንሰብ ሃፍቲታትን” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዘለዎ ተገሊፁ። ብኮርፖሪሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ…

ፕሮጀክትታት መስተ ማይ ንምዝዛም ዘኽእል ኣዋጅ ስምምዕነት ልቓሕ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 33 ስሩዕ ጉባኤኡ ፕሮጀክትታት መስተ ማይን ሳኒቴሽንን ንምዝዛም ዘኽእል ኣዋጅ ስምምዕነት ልቓሕ ፀዲቑ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን ንካልኣይ ግዘ ፕሮጀክት መስተ ማይን ሳኒቴሽንን…

መሰልጠኒ ኮንቲንጀንት ሁርሶ መሰረታዊ ወተሃደራት የመርቕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል መሰልጠኒ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቤት ትምህርቲ ኮንቲንጀንት ሁርሶ ብመሰረታዊ ወተሃደርነት ዘሰልጠኖም ወተሃደራት የመርቕ ኣሎ። እቲ ማእኸል ዘመርቖም ዘሎ ወተሃደራት ሻምናይ ዙር ሰልጠንቲ ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ። እቶም…