Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ጎንፂ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት 1 ነጥቢ 4 ሚሊየን መድሃኒት ፀረ ሕማም ዓሶ ከምዝከፋፈል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ምክልኻል ሕማም ዓሶ ንምጥንኻር ካብ ዝግበር ፃዕሪ ጎድና ጎድኒ፤ ጎንፂ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት 1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዝግመት መድሃኒት ፀረ ሕማም ዓሶ ከምዝከፋፈል ተገሊፁ። ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ብዋና ዳይሬክተር ዩኤስኤኣይዲ…

ኢትዮ ቴሌኮም ብቴሌ ብር ሱፐር ኣፕ ቪዛ ካርድ ምጥቃም ዘኽእል ኣገልግሎት ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ብቴሌ ብር ሱፐር ኣፕ ኣቢልካ ቪዛ ካርድ ንምጥቃም ዘኽእል ኣገልግሎት ብዕሊ ኣጀሚሩ። እቲ ኣገልግሎት÷ ኢትዮ ቴሌኮም፣ ቪዛ ካርድን ባንኪ ኣቢሲኒያን ሎሚ መዓልቲ ብሓባር ኣጀሚሮምዎ፡፡ ቪዛ ዳይሬክትን ቴሌብር ሬሚት ኣፕን ቴሌብር…

ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ምስ ዳይሬክተር ዩ ኤስ ኤይድ ኣብ ኢትዮጵያ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ብዳይሬክተር ዩ ኤስ ኤይድ ኣብ ኢትዮጵያ ስኮት ሆክላንደር ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ዘቲዮም። ኣብ ወርሒ ጥሪ 2016 ዓ.ም ወግዓዊ ዝኾነ ኣብ ቀላማ ከባቢታት ተግባራዊ ዝግበር ፕሮጀክት…

ሰበኽ ሳግም ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ንዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ ፕሮግራም ወግዓዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰበኽ ሳግም ምብራቕ ኣፍሪካ ዘለዎ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ንዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ ፕሮግራም ወግዓዊ ኮይኑ። ኣብቲ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ግብርና ፍቅሩ ረጋሳ (ዶ/ር)ን ተወካሊ ዓለም ለኸ ትካል ምግብን ሕርሻን(ፋኦ) ኣብ…

ብምኽንያት በዓል ኣሸንዳ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ የውሃንስ ራብዓይ ስነ ስርዓት ተኸላ ፈልሲ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት በዓል ኣሸንዳ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ የውሃንስ ራብዓይ ስነ ስርዓት መንባር ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ተሳሊጡ። እቲ መርሃ ግብሪ፥ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ምስ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምትሕብባር…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ጎፋ ንዝተጎድኡ ወገናት ልዕሊ 6 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ኬንቾ ቀበሌ ሻቻ ጎዝዲ ብሓደጋ ጋህሲ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ልዕሊ 6 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ኣቐሑት ህንፀት ገይሩ። ሓላፊት ክፍሊ ፋውንዴሽን እቲ መገዲ ኣየር ሰናይት ንጉሴ÷ እቲ ሓገዝ ንዋና…

ምስንዳእ ፍኖተ-ካርታ ትግበራ ሽግግር ፍትሒ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስንዳእ ፍኖተ-ካርታ ትግበራ ሽግግር ፍትሒ ፌዴሪኢ ከምዝተዛዘመ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስትር ነቲ ጉዳይ ጠሚቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝበሎ፥ ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ 9 ሚያዚያ 2016 ዓ.ም ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ምፅዳቑ ስዒቡ እቲ ፖሊሲ…

ኣብ ኣኽሱም ዓይኒ ዋሪ 2016 ዓ/ም ንምኽባር ንዝኸዱ ኣጋይሽ ኣቀባብላ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣኽሱም ሎሚ ዘበን ዝኽበር በዓል ዓይኒ ዋሪ ንምኽባር ንዝኸዱ ኣጋይሽ ኣቀባብላ ይግበር ከምዘሎ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር ገሊፆም። እቶም ሓላፊ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ…

ጴጥሮስ ማስረሻ ተዓዋቲ ውድድር ፋና ላምሮት ምዕራፍ 17 ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ምስ ዝነኣዱ ተወዳደርቲ ሓቢረሙኹም ዝፀንሑ ተወዳደርቲ ፋና ላምሮት ሎሚ ኣብ ዝተሳለጠ  ምዕራፍ 17 መዛዘሚኡ ረኺቡ። ብመሰረት እዚ ጴጥሮስ ማስረሻ ተዓዋቲ ውድድር ፋና ላምሮት ምዕራፍ 17 ኮይኑ። ናብቲ ውድድር ዝቐረቡ…

1 ሺሕን 163 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)1 ሺሕን 163 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ኣብ ፀገም ነይሮም ካብ ዝተመለሱ ኢትዮጵያዊያን  እተን 200 ደቂ ኣኒስቲዮ እንትኾና፥ እቶም 16 ድማ ሒንጠያት ከምዝኾኑ ተገሊፁ። ነቶም ተመለስቲ ዜጋታት ኣብ መዕርፎ…