Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ጎስጓስ ውቁባት ከተማታት ንብራኸ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መጀመሪ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ ውቁባት ከተማታት ንብራኸ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ተጀሚሩ። እቲ ጎስጓስ፥ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞን ኣጀሚረሙዎ። ኣይተ ደስታ÷ኣብ ፅሩይ ከባቢ ምንባር ልዑል…

1 ሺሕን 174 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገቶም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሰለስተ ዙር ብዝተሳለጠ በረራ ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ፀገም ዝነበሩ 1 ሺሕን 174 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ገሊፁ። ንተመለስቲ ዜጋታት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲን ማእኸላት መፅንሒን ግቡእ ሓገዝን…

ጣልያን ንሕድሳት ሓድጊታት ኢትዮጵያን ልምዓት ቱሪዝምን ሓገዝ ከምትገብር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባታ ንዝሳለጡ ሕድሳት ሓድጊታትን ንስራሕቲ ልምዓት ቱሪዝም ቴክኒካዊ ሓገዝ ንምግባር ድልውቲ ከምዝኾነ ኤምባሲ ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ምስ መንግስቲ ጣሊያን ብሓባር…

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ቡርሃኔትን ዱራን ተዛቲዮም። እቲ ዘተ፥ ኣብ ሻውዓይ ፖለቲካዊ ዘተ ኢትዮጵያ-ቱርክ ዝጠመተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡ ኣብ እዋን እቲ…

ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ብዘይ ገደብ ሓገዝ ንምግባር ዘኽእል መተግበሪ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዘይ ገደብ ሓገዝ ንምግባር ዘኽእል መተግበሪ ዕላዊ ኮይኑ። እቲ መተግበሪ ብፍላይ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ብቐጥታ ሓገዝ ንኽገብሩ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ። ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ…

ኢትዮጵያ ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ እናተኻየደ ኣብ ዘሎ ዓመታዊ ጉባኤ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ይሳተፍ ኣሎ። መሪሕ ሓሳብ ናይቲ ዓመታዊ ጉባኤ "ትራንስፎርሜሽን ኣፍሪካ፣…

ልዕሊ 15 ሚሊየን ብር ዝግመት ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምብራቕ ጉራጌ ከተማ ቡታጅራ ልዕሊ 15 ሚሊየን ብር ዝግመት ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝሓዘ ፖሊስ ኣፍሊጡ፡፡ እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ፖሊስ ከተማ ቡታጅራ ምስ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ብዝገበሩዎ ዝተዋደደ ክትትል ኢዩ…

ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ ምስ ዋና ፈፀምቲ ስራሕ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስ ዋና ፈፀምቲ ስራሕ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግ ኢትዮጵያን ዋና ፈፀምቲ ስራሕ ኣብ ትሕቲኡ ዝመሓደሩ ኩባኒያታትን ተዛቲዮም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ…

ኣምባሳደር ታዬ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኒውዝላንድ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኒውዝላንድ ዊንስተን ፒተርስ ብስልኪ ተዛቲዮም። ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ብዛዕባ ዝውገኑ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚዊን…

ኢትዮጵያ ዓሚቕ ሃፍቲ መዓድን ስለዘለዋ ኣብቲ ዓውዲ ምትእስሳር ንምፍጣር ክንሰርሕ ኢና – ልኡኽ ፓኪስታን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዓሚቕ ሃፍቲ መዓድን ስለዘለዋ ኣብቲ ዓውዲ ምትእስሳር ንምፍጣር ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ኣባላት ልኡኽ ኢንቨስትመንትን ንግዲን ፓኪስታን ገሊፆም። ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር)ን ፓኪስታን ኣባላት ልኡኽ ንግዲን ኢንቨስትመንትን…