Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ኣብ ክረምታዊ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲታት ክንተክል ክኢልና – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተዛዘመ ክረምታዊ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ከምዝሓበሩዎ÷ ብርቱዓት ኣእዳው…
ንኢትዮጵያ ናብ ዝሐሸ ምዕራፍ ንምስግጋር ስርቂ ብቖራፅነት ክንቃለስ ኢና – ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃፍቲ ከይባኽንን ስርቂ ብቖራፅነት ብምቅላስን ንኢትዮጵያ ናብ ዝሐሸ ምዕራፍ ንምስግጋር ከምዝሰርሑ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ገሊፆም።
ንላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ “ከእዳ ወደ ምንዳ'' ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሰናደአ ቀዳማይ ዙር ስልጠና…
ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ 29 መስከረም ጀሚሩ ክወሃብ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ካብ 2012 ዓ.ም ኣትሒዙ ተቛሪፁ ዝፀንሐ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ዝቕፅል 29 መስከረም ጀሚሩ ከምዝወሃብ ግልጋሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ ኣፍሊጡ።
እቲ ግልጋሎት ኣወሃህባ እቲ ፈተና ኣመልኪቱ ምስ ሓለፍቲ ፖሊስ…
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ትምህርቲ ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ስሩዕ ትምህርቲ ከምዝተጀመረ ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ድማ ካብ 14 መስከረም ጀሚሩ ሩዕ ትምህርቲ ክጅመር ኢዩ ዘብል ትፅቢት ኣሎ።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ…
ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓማውቲ ዓውዲ ሰደድ ንግዲ ወፃኢ ብማእኸላይ 7 ሚኢታዊት ምዕባለ ምምዝጋቡ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓማውቲ ዓውዲ ሰደድ ንግዲ ወፃኢ ብማእኸላይ 7 ሚኢታዊት ምዕባለ ምምዝጋቡ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ገሊፁ።
ልዑል ብፅሒት ዓውዲ ሕርሻ ከምዝሓዘ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር፥ ብቀንዱ ቡን፣ ኣዝርእቲ ቅብኣትን ዕምበባን ልዑል ሰደድ ንግዲ…
መመዘኒታ ኣዋጅ ህንፃ እታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ዘይኽተሉ ፕሮጀክታት ህንፃ ስጉምቲ ክውሰድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መመዘኒታ ኣዋጅ ህንፃ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ዘይኽተሉ ኣብ ፕሮጀክታት ህንፃ ዝሳተፉ ኣልማዕቲ፣ ተቛረፅቲን ኣማኸርቲን ስጉምቲ ንምውሳድ ምድላው ከምዝገበረ በዓል መዚ ፍቓድን ቁፅፅርን ህንፀት እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ…
ግዕዝይና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ግልፅነትን ተሓታትነት ዘለዎ ኣሰራርሓን ክህልወን ብምግባር ግዕዝይና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ፌዴራል ኣፍሊጡ።
ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ሳሙኤል ኡርቃቶ…
ብምኽንያት ምምላእ ሩባ ባሮ ንዝተመዛበሉ ወገናት ሓገዝ ንኽግበር ፃውዒት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ጋምቤላ ሩባ ባሮ መሊኡ ኣብ ቀበሌታት 01፣ 02፣ 04ን 05 ብዘስዐቦ ጉድኣት ብዙሓት ነበርቲ ካብ መረበቶም እንትመዛበሉ ኣብ ልዕሊ ንብረት ዕንወት ኣጋጢሙ፡፡
ካብ ካልእ ግዘ ብዝተፈለየ ኩነታት ልዑል ጉድኣት ከምዝበፅሖምን እቲ ምምላእ…
በዓል ኢሬቻ 2016 ዓ.ም 26 ን 27ን መስከረም ክኽበር ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ እዚ ዓመት 26 መስከረም ኣብ ሆረ ፊንፊኔ ከምኡ እውን 27 መስከረም 2016 ዓ.ም ኣብ ሆረ ኣርሰዲ ከምዝኽበር ተገሊፁ።
ፀሓፊን ሕብረት ኣባገዳታት ኦሮሞን ቱለማን ኣባገዳ ጎበና ሆላ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ኢሬቻ በዓል ምስጋና፣…
ባህላዊ ኣቀማምጣ መሬት ጌዴኦ ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ መስከረም 6፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ጌዴኦ ዝርከብ ባህላዊ ኣቀማምጣ መሬት ጌዴኦ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ) ተመዝጊቡ።
ባህላዊ ኣቀማምጣ መሬት ጌዴኦ ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ዘሎ፥ ኣብ ሪያድ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 45…