Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ኮሚሽነር ደበሌ ቃበታ ንመራሕቲ ትካል ኣፍሪካ ዝወሃብ ፍሉይ ሽልማት ንምቕባል ናብ እንግሊዝ ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩኽ ደበሌ ቃበታ ንመራሕቲ ትካል ኣፍሪካ ዝወሃብ ፍሉይ ሽልማት ንምቕባል ናብ እንግሊዝ ኣምሪሖም። እቲ ሽልማት ጥንኩራት ትካላት ብምህናፅ ኣርኣያ ዝኾነ ስራሕ ንዝሰርሑ መራሕቲ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦን ሽልማትን ዝወሃብ ፍሉጥ መፅሄት…

ምምሕዳር ለተማ ኣዲስ ኣበባ ን6 ኣዋርሕ ወሰኽ ክራይ ገዛ ምግባር ከምዘይከኣል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ለተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ወሰኽ ክራይ ገዛ ምግባር ከምኡ እውን ተኻራዪ ክወፅእ ምግባር ከምዘይከኣል ኣፍሊጡ። ካቢኔ እቲ ምምሕዳር ከተማ ምኽባር ናብራ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ነበርቲ እታ ከተማ ዘሕድሮ ፀዕንቶ ንምንካይ ወሰኽ…

ትግበራ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ዝተጠናኸረ ዘፈር ፋይናንስ ንምህናፅ ከምዘኽእል ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትግበራ ብሄራዊ መታወቂያ (መለለዪ መንነት) ምጭብርባር ገንዘበ፣ ተበፃሕነት ግልጋሎት ፋይናንስ ብምውሳኽን ዝተመሓየሸ ስርዓት መረጋገፂ መንነት ብምዝርጋሕ ዝተጠናኸረ ዘፈር ፋይናንስ ንምህናፅ ከምዘኽእል ተሓቢሩ። ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ምስ ብሄራዊ…

ተፃባእቲ ሓይሊታት ሱዳን ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ዘላቒ ምቁራፅ ተኹሲ ንኽገብሩ ኢጋድ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃባእቲ ሓይሊታት ሱዳን ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ዘላቒ ምቁራፅ ተኹሲ ንኽገብሩ ትካል በይነ ምግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣተሓሳሲቡ። ኢጋድ ጎንፂ ሱዳን ንምፍታሕ ዘጣየሾ ኣኼባ መራሕቲ ኣርባዕተ ሃገራት ሎሚ ንጉሆ ኣብ ኣዲስ ኣበባ…

ከንቲባ ኣዳነች ምስ ጉጅለ ሱፐርቪዢን ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ፌዴራል ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ጉጅለ ሱፐርቪዢን ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ፌዴራል ተዛቲየን። ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ከምዝገለፀኦ÷ ክረምታዊ ኣፈፃፀማ ስራሕቲ እቲ ምምሕዳር ከተማ ንምዕዛብን ንምሕጋዝን ምስ…

ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ኢትዮጵያ ክወፅኡ ኢሎም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ገንዘባት ወፃኢ ዓዲን መዐወንቲ እፃትን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3  ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ኢትዮጵያ ክወፅኡ ኢሎም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ገንዘባት ወፃኢ ዓዲን መዐወንቲ እፃትን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከምዝተትሓዙ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ገሊፁ። እቲ ገንዘብ ናብ ዱባይ ክወፅእ ክብል ዝተትሓዘ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ 44…

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ጉድኣት ንዝበፅሖ ቤት ትምህርቲ ሓገዝ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተሳገርቲ ወሰን ተሳተፍቲ ኣገልግሎት ወለንታዊያን መናእሰይ ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ እንደርታ ብሰንኪ ኲናት ጉድኣት ንዝበፅሖ ቤት ትምህርቲ ደብረ መድሃኒት ሓገዝ እታዎታት ህንፀት ገይሮም። እቶም መናእሰይ ተኸላ ፈልሲን ደጋፍ ናውቲታት ትምህርቲን እውን…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)ን ተሳተፍቲ ኣኼባ ኢጋድን ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ተሳተፍቲ ኣኼባ ኢጋድን ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ጎንፂ ሱዳን ንምፍታሕ ዝተጣየሸ መራሕቲ ኣርባዕተ ሃገራት ዝሓቖፈ ጉባኤ መራሕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ጎንፂ ሱዳን ንምፍታሕ ዝተጣየሸ ጉባኤ መራሕቲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ጎንፂ ሱዳን ንምፍታሕ ዝተጣየሸ ጉባኤ መራሕቲ ይሳለጥ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)፥ ትካል በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ጎንፂ ሱዳን ንምፍታሕ ዘጣየሾ ጉባኤ መራሕቲ…