Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ከተማ ሻንጋይ ሙዚዬም ኮሙኒስት ፓርቲ ዑደት ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣብ ከተማ ሻንጋይ ሙዚዬም ኮሙኒስት ፓርቲ ዑደት ገይሩ።
ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዑደቶም፥ ኣብ ቻይና ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ዘመዝገበ ኮሙኒስት ፓርቲ፤ ታሪኻዊ…
ውድድር ዓብዪ ጉያ ብሰላም ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንመበል 23 ግዘ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ውድድር ዓብዪ ጉያ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ውድድር ጉያ ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ሃገራት ተሳተፍቲ፣ ኣምባሳደራት፣ ዕዱማት ኣትሌታት ከምኡ እውን 45…
ኢትዮጵያ ን122 ሃገራት ኣገልግሎት “Visa on arrival” ትህብ ከምዘላ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ን122 ሃገራት ኣገልግሎት “Visa on arrival” ትህብ ከምዘላ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ገሊፁ።
እዚ ዓይነት ቪዛ፥ ሓደ ዜጋ ኣብ ዝኸደላ/ዝኣትዋ ሃገር ንዝህልዎ ሓፂር ፃንሒት ዝወሃቦ እንትኸውን፥ እቲ ቪዛ ንምርካብ ዘድልይዎ…
ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ምስ ዓማዊል ሲቢኢ ኑር ዘቲዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ምስ ዓማዊል ሲቢኢ ኑር ዘቲዩ።
መበል ዓስራይ ዓመት ሲቢኢ ኑር “ዕዉት ምዕራፍ፤ ብሩህ ተስፋ” ብዘብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።
ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣቤ ሳኖ፥ ካብ ወለድ ነፃ ኣገልግሎት ባንኪ ኣብ…
ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ቆላሕታ ተዋሂቡ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ኩለ መዳያዊ ርክብ ንምጥንኻር ቆላሕታ ተዋሂቡ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።
እቶም ኣፈጉባኤ ንምክትል ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ህዝቢ ቻይና ሎሳንግ ጊልትሰንን…
ኣብ ሃገራዊ ዘተ ዝጠመተ ልዝብ ምስ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ተሳሊጡ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ምስ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ዘቲዩ።
እቲ ዘተ፥ “ግደን ተሳትፎን ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ዘተን ምርድዳእን” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።
ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን መስፍን ኣርዓያ (ፕ/ር)፥ ዝተፈላለዩ…
ሕቶ ቀረብ መንበሪ ሓባር ኣባይቲ ብመንግስቲ ጥራሕ ዝምለስ ዘይኮነስ ምትሕብባር ዓውዲ ውለቀ እውን ዝሓትት ኢዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕቶ ቀረብ መንበሪ ሓባር ኣባይቲ ብመንግስቲ ጥራሕ ዝምለስ ዘይኮነስ ምትሕብባር ዓውዲ ውለቀ እውን ዝሓትት ኢዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ኖህ ሪል ስቴት ዝሃነፆም 754 መንበሪ ኣባይቲ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።
እቲ…
ዩኒቨርስቲ መቐለ ብዝተፈላለዩ መርሃግብርታት ዘሰልጠኖም ተምሃርኡ ኣመሪቑ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርስቲ መቐለ ብዝተፈላለዩ መርሃግብርታት ዘሰልጠኖም 2 ሺሕን 35 ተምሃርኡ ሎሚ 8 ሕዳር 2016 ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ኣመሪቑ።
እቶም ተምሃሮ፥ ብቐዳማይ፣ ካልኣይን ሳልሳይን ድግሪ መርሀ ግብሪታት ትምህርቶም ዝተኸታተሉ ተምሃሮ ተሓቢሩ።…
ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ብሰላም ንክዛዘም ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ምዝዛሙ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ብሰላም ንክዛዘም ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ምዝዛሙ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ።
ብዙሓት ተሳተፍቲ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን፣ ኣምባሳደራት፣ ተኣንገድቲ ኣትሌታት ዝተዓደሙሉ መበገስን መዛዘሚን መስቀል ኣደባባይ ዝገበረ…
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብፍልይቲ ልኡኽ ምብራቕ ኣፍሪካ ሳኒ ሎን ሃርት ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኔዘርላድስ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብፍልይቲ ልኡኽ ኔዘርላድስ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሳኒ ሎን ሃርት ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲዮም።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ÷ ድሕሪ ኲናት ዘሎ ህሉው ኩነታት ፀጥታ፣ ምኽባር ሉኣላዊነት፣…