Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ብኲናት ዝተጎድኡ ዜጋታት ካልኣይ ዙር ሰብኣዊ ሓገዝ ይቐርብ ኣሎ – ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ብኲናት ዝተጎድኡ ዜጋታት ካልኣይ ዙር ሰብኣዊ ሓገዝ እናቐረበ ምዃኑ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ኣብ ክልላት ትግራይ፣…

ካብ 12 ሕዳር ጀሚሩ ልዕሊ 20 ሺሕ ኢትዮያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 12 ሕዳር ክሳብ 20 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ልዕሊ 20 ሺሕ ኢትዮያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ካብ ሞንጎ ተመለስቲ 19 ሺሕን 689 ደቂ ተባዕትዮ፣ 2 ሺሕን 673 ደቂ ኣንስትዮን 724 ህፃናትን ሰገናትን…

እቲ ስምምዕ ሰላም ዝቆፃፀር፣ ዘረጋግፅን ዘኽብርን ጉጅለ ተልእኾ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ እቲ ስምምዕ ሰላም ዝቆፃፀር፣ ዘረጋግፅን ዘኽብርን ጉጅለ ተልእኾ ተጣይሹ። እቲ ጉጅለ ሰለስተ ኣባላት ዘለውዎ እንትኸውን፥ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሰላም ኣፈፃፅማ ስቪልን ወተሃደራዊ ስምምዕን ክከታተል ኢዩ ተባሂሉ።…

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢንስቲትዩትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ከቲሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢንስቲትዩትን ኣብ ዝተፈላለዩ ስትራቴጂያዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ከቲሞም። ኣብቲ ሰነድ ናይ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኣድማሱ ዳምጠውን ናይ…

ወጋገን ባንኪ ኣብ ሽረ ዲስትሪክት ተወሳኺ ቅርንጫፋት ዳግም ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ወጋገን ባንኪ ኣብ ሽረ ዲስትሪክት ተወሳኺ ቅርንጫፋት ዳግም ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሩ ኣፍሊጡ። ወጋገን ባንኪ ብምኽኒያት ጎንፂ ኣገልግሎት ተቛሪፁዎም ዝፀንሑ ኣብ ትሕቲ ሽረ ዲስትሪክት ዘርከቡ፥ ዓድዋ፣ ኣክሱም፣ ዕዳጋ ኣክሱም፣ ሶሎዳ፣ ዓዲ ኣቡን፣…

ናይ ኢጋድ ዋና ፀሓፊ ወርቅነህ ገበየሁ ናብ መቐለ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ኢጋድ ዋና ፀሓፊ ወርቅነህ ገበየሁ ናብ መቐለ ኣቲዮም። እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ ኢትዮጵያ ኲናት ደው ንምባል ብመሰረት ዝተገበረ ስምምዕነት ዝተጣየሸ ሓበራዊ ናይ ክትትልን መረጋገፅን ስርዓት ንምጅማር ኢዮም ናብ መቐለ ኣምሪሖም። ኣብ መንጎ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መጀመሪ መርሃ ግብሪ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን(ስማርት ሲቲ)  መጀመሪ መርሃ ግብሪ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ መርሃ ገብሪ ናይ ኣዲስ ኣበባ ምምሕዳር ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራለን እታ ከተማን ተረኺቦም።…

ኢትዮጵያ ብሄራዊ ጥቕማ ካብ ምሕላው ብዝሓለፈ ንኣፍሪካ ጥቕምን ድልየትን ምኽባር እትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ- ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብዲብሎማሲ ዓውዲ ብሄራዊ ጥቕማ ካብ ምሕላው ብዝሓለፈ ንኣፍሪካ ጥቕምን ድልየትን ምኽባር እትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ክብሉ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። እቶም ኣምባሳደር፥ ኢትዮጵያ ብዲብሎማሲ ዓውዲ ዘርፈ ብዙሕ ተግባራት…

ጎንፂታት ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ነዳዲ ዘከፋፍሉ 14 ኩባኒያታት ብቐጥታ ካብ ጂቡቲ ነዳዲ ንክፅዕኑ ተፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ነዳዲን ኢነርጂን በዓል ሰልጣን ጎንፂታት ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ነዳዲ ዘከፋፍሉ 14 ኩባኒያታት ብቐጥታ ካብ ጂቡቲ ነዳዲ ንክፅዕኑ ፈቒዱ። ኣብቲ በዓል ሰልጣን ናይ ነዳዲ ኣቕርቦት፣ ሎጂስቲክስን ክትትልን ዳይረክተር ኣይተ ፈቃዱ…

መቐለ ሓዊሱ ክሳብ ሐዚ 31 ከተማታት ኣገልግሎት ቴሌኮም ዳግም ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መቐለ ሓዊሱ ክሳብ ሐዚ 31 ከተማታት ኣገልግሎት ቴሌኮም ዳግም ከምዝጀመረ ኢትዮ ቴሌኮም ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ፦ ትማሊ መቐለ፣ ውቕሮ፣ ኲሓን ኣብዓላን እቲ ኣገልግሎት ረኺበን። እቲ ኣገልግሎት መሊስካ ንምጅማር ትሽዓተ ጉጅለታት ቴክኒክ…