Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ውሕመ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ምስ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ቁርፀኛ ኢዩ – ሃና ቴቴህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ምስ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ፍልይቲ ልእኽቲ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሃና ቴቴህ ገሊፀን።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢን…
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመሰረተ ልምዓት ኣብ ዝተኹዓተ ጉድጓድ ዝዓቖረ ማይ እናሓመሰ ዝነበረ መንእሰይ ህይወቱ ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመሰረተ ልምዓት ኣብ ዝተኹዓተ ጉድጓድ ዝዓቖረ ማይ እናሓመሰ ዝነበረ መንእሰይ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ኣፍሊጡ።
በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ንጋቱ ማሞ ንፋና ብሮድካስቲንግ…
ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብሩ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ ከምዝገብሩ ተገሊፁ።
ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሮም ኣብ ኢትዮጵያን ኒጀርን ዑደት ስራሕ ከምዝገብሩ ተሓቢሩ።
እቶም ሚኒስትር ዝቕፅል…
ሊግ ዓረብ ሊግ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ዘውፀኦ መግለፂ ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበል ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊግ ዓረብ ሊግ ህንፀትም ምልኢት ማይን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ትማሊ ዘውፀኦ መግለፂ ቅዋም ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበል ገሊፃ።
እቲ ሊግ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ቅዋም ንግብፂ ዝወገነ መግለፂ ምዃኑ ዝፍለጥ እንትኸውን፥ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ…
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሲንጋፖር ዳግም ቀጥታ በረራ ክጅምር ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ናብ ሲንጋፖር ኣቋሪፁዎ ዝነበረ ቀጥታ በረራ ዳግም ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።
በርኡ 16 መጋቢት 2015 ዓ.ም ከምዝጅመርን ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ ግዘ ኣገልግሎት ከምዝህብን ተገሊፁ።
#Ethiopia…
እስራኤል ናይ መገደኛታት ኣውሮፕላን ናብ ፅዕነት ኣገልግሎት ኣብ ዝግበር ስራሕቲ ምቕያር ከምትድግፍ ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ መገደኛታት ኣውሮፕላን ናብ ፅዕነት ኣገልግሎት ዝገብሮ ስራሕቲ ምቕያር ከምትድግፍ ኣፍሊጣ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ አየር ኣይተ መስፍን ጣሰው፥ ምስ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣለልኝ…
ሱልጣን ኣሕመድ ኣሊሚራሕ ካብ ኣሜሪካ ናብ ሃገሮም ኣቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱልጣን ኣሕመድ ኣሊሚራሕ ካብ ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ሃገሮም ኣቲዮም።
ሱልጣን ኣሕመድ ኣሊሚራሕ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ላዕለዎት ሓፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡
ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን…
ክፍፍል ዲጂታል መፍትሒ ዝደሊ ፈተና ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ከምዝኾነ ኢትዮጵያ ኣገንዚባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክፍፍል ዲጂታል መፍትሒ ዝደሊ ፈተና ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ከምዝኾነ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ዓለም ለኸ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ኣገንዚባ።
ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ዓሊ÷ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ብፆታ፣ ቋንቋ፣ ዲጂታል…
ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣብ መቐለ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ፌዴሪኢ ምስ መዳርግቲን መሓዙትን ኣካላት ዘሰናድኦ ነበር ተዋጋእቲ እግሪ ኣብ ምትካል ዘድሀበ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ኣብ መቐለ የሳልጥ ኣሎ።
ኮሚሽነር ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ÷ “እቲ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ…
ቻይና ማእኸል መሕተቲ ቪዛ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከፊታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ማእኸል መሕተቲ ቪዛ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከፊታ።
እቲ ማእኸል ንተገልገልቲ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንክረኽቡ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።
ብተወሳኺ ዝፀንሐ ርክብ ክልቲአን ሃገራት በዝበለፀ ከምዘጠናኽር ተሓቢሩ።
እቲ ማእኸል ናብ ቻይና ዝግበር ጉዕዞ…