Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ስፓርት

ማንቼስተር ዩናይትድ እንትሰዓር ቼልሲ ነጥቢ ተኻፊላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 17 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ኦልድትራፎርድ ንቦርንሞውዝ ዘተኣናገደት ማንቼስተር ዩናይትድ 3 ን 0 እንትሰዓር ቼልሲ ምስ ኤቨርተን ነጥቢ ተኸኻላ፡፡ ካብ ሰዓት 11 ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ቦርንማውዝ ንኽትዕወት…

ስለሺ ስህን ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብምዃን ተመሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌት ስለሺ ስህን ካብ 26 ድምፂ 11 ድምፂ ብምርካብ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብምዃን ተመሪፁ። አትሌት ስለሽ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ መበል 28 ስሩዕ ጉባኤ ኢዩ ተመሪፁ ዘሎ፡፡ እቲ ኣትሌት ንሓጋዚት…

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት ሎሚ ምሸት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 17 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅል ሓሙሽተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም፡፡ ኣጋግዘ ሰዓት 11 ኣብ ዝግበሩ ፀወታታት ጋንታ ቼልሲ ናብ ስታዲየም ጉዲሰን ፓርክ ብምምራሕ ምስ ኤቨርተን ክትራኸብ ኢያ። ብኣሰልጣኒ ሩበን…

መበል 28 ሓፈሻዊ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 28 ሓፈሻዊ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ። ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ፥ ኣትሌቲክስ ንኢትዮጵያ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ብምፍላጥ ልዑል ግደ ዘለዎን ልዕሊ ውድድር ከምዝኾነን ገሊፀን። መንግስቲ ነቲ ዓውዲ…

ኣብ ናይ ሎሚ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣስቶንቪላ ምስ ማንቼስተር ሲቲ ዝገብርኡ ፀወታ ልዑል ቀልቢ ዝሰሓበ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 17 ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ክካየድ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ፀወታ እንግሊዝ ኣስቶንቪላ ምስ ማንቼስተር ሲቲ ሰዓት 9፡30 ድሕሪ ቀትሪ ዝገብርኡ ግጥም ልዑል ቀልቢ ዝሰሓበ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ሎሚ መርሃ ግብሪ ብረይንት…

አትሌት ድርቤ ካብ ፅገ ገብረሰላማን ሓጎስ ገብረህይወትን ብምቕፃል ኣብ ውድድር ትራክ ግራንድ ስላም ንምስታፍ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌት ድርቤ ወልተጂ መድረኽ ውድድር ውልቀ ኣብ ዝኾነ ትራክ ግራንድ ስላም ንምስታፍ ዘኽእል ስምምዕነት ኩንትራት ፈሪማ፡፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ብ1 ሺሕም 500 ሜትሮ ርሕቐት ብምውድዳር ትፍለጥ ኣትሌት ድርቤ ኣብ 2025 ኣብ ኣሜሪካ ኣብ…

ንጥቕዓት ማሕበራዊ ሚዲያ ንዝተቓልዑ 25 ኣትሌታት ደገፍ ኤኣይ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌቲክስ ዓለም ንጥቕዓት ማሕበራዊ ሚዲያ ንዝተቓልዑ 25 ኣትሌታት ዝተፈላለያ ሃገራት ደገፍ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ(ኤኣይ) ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ኣብ ዝገበሮ ናይ ኣርባዕተ ዓማውቲ መፅናዕቲ እቶም ኣትሌታት ንዝኸፍአ መጥቃዕቲ ማሕበራዊ…

ሙድሪክ ብግዚያዊነት ካብ ዓለም ለኸ ውድድራት ኩዕሾ እግሪ ተኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዩክሬናዊ ተፃዋታይ ጋንታ ቼልሲ ሚካዬሎ ሙድሪክ ብግዚያዊነት ካብ ዓለም ለኸ ውድድራት ኩዕሾ እግሪ ከምዝተኣገደ ተረጋጊፁ፡፡ እቲ ተፃዋታይ ዘይተፈቐደ መበረታትዒ ቅመም ተጠቒሙ ኢዩ ብዝብል ምርመራ እናተገበረሉ ብምዃኑ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ኢዩ…

ኣትሌት ሱቱሜ ከበደ ኣብ ኮልካታ ውድድር 25 ኪሎ ሜትር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ሱቱሜ ከበደ ኣብ ህንዲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 25 ኪሎ ሜትሮ ኮልኮታ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ተዓዊታ። እታ ኣትሌት ነቲ ውድድር 1፡19፡17 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ቀዳመይቲ ወፂኣ። ንኣትሌት ሱቱሜን ስዒባ ኬንያዊት ኣትሌት…

ኣትሌት ንብረት መላክ ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ባንግሴን ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌት ንብረት መላክ ኣብ ታይላንድ ቾን ቡሪ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ባንግሴን ባንግሴን ተዓዊቱ፡፡ ኣትሌት ንብረት ነቲ ርሕቐት 1 ሰዓት 2 ደቒቕን 32 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ኢዩ ቀዳማይ ክወፅእ ክኢሉ፡፡