Browsing Category
ዓለም ለኻዊ ዜናታት
ኣብ ኣፍሪካ 346 ሚሊየን ዜጋታት ኣብ ዘስካሕኽሕ ጥሜት ከምዝርከቡ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ 346 ሚሊየን ዜጋታት ኣብ ዘስካሕኽሕ ጥሜት ከምዝርከቡ ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።
ጎንፂ፣ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ናህሪ ዋጋ ምግቢን ነዳዲን ኣብታ ኣህጉር ጥሜት ንኽስፋሕፋሕ ምኽንያት ከመዝኾ ኢዩ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ…
ሕብረት ኣውሮፓ መርመርቲ ገበን ኲናት ናብ ዩክሬን ክልእኽ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዩክሬናዊት ከተማ ቡቻ ዝተፈፀመ ገበን ኲናት ዝምርምር ጉጅለ ናብ ዩክሬን ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ።
ፕሬዚዳን ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ኡርሱላ ቮን ደር ሌየን፥ ምስ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዶሚር ዜለንስኪ ብስልኪ ተዛቲየን።
ኣብቲ…
ውሕመ ኣብ ከተማ ቡቻ ዝተፈፀመ ቅትለት ብዘይሻራዊ ኣካል ንኽፃረ ፃውዒት ኣቕሪቡ
ኣዲሰ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኣብ ዩክሬናዊት ከተማ ቡቻ ዝተፈፀመ ቅትለት ንፁሃን ዜጋታት ዘይሻራዊ ኣካል ንኸፃርዮ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ጉተሬዝ ኣብ ትዊተር ገፆም ከምዝሓሩዎ፥ “ምስሊ ዝሞቱ ንፁሃን ዜጋታት ብምርኣየይ ተረቢሸ፤…
ልዕሊ 90 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ሜዲትራንያን ምጥሓሎም ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 90 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ሜዲትራንያን ምጥሓሎም ተገሊፁ።
እታ ጀልባ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ስደተኛታት ካብ ልቢያ ፅዒና ናብ ኣውሮፓ ንምሽጋር እንትትፍትን ከምዝጠሓለት ንኣሶሺየትድ ፕረስ ብምርቋሕ ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ።
ካብ 1…
ሩሲያ ዕደአን ብሩብል ዘኸፍላ “ፀላእቲ” ዝበለተን ዝርዝር ሃገራት ዕላዊ ገይራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ዕደአን ብሩብል ዘኸፍላ “ፀላእቲ” ኢላ ዝፀርሐተን ዝርዝር ሃገራት ዕላዊ ገይራ።
ብሩሲያ ፀላእቲ ተባሂለን ዝተፀርሓ ሃገራት፥ 27 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ሓዊሱ ሞናኮ፣ ስዊዘርላንድ፣ ኖርዌይ፣ ኣይስላንድን ሳን ማሪኖን፣ ኣሜሪካ፣…
ብሪታኒያ ካብ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዝኣትዉ ሓፂነመፂን እገዳ ኣንቢራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሪታኒያ ካብ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዝኣትዉ ሓፂነመፂን እገዳ ኣንቢራ።
ትካል ኣቕራቢ ሓፂነመፂን ለንደን(ኤልኤምኢ) ከምዝበሎ፥ ካብ ሩሲያ ዝኣትዉ ሓፃዊን ኣብ መኽዘን ንከይቕመጡ እገዳ ተነቢሩ።
እታ ሃገር ካብ መንጎ ዝኣገደቶም ፍሪያታት፥ ሊድ፣…
ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓታት ሕብረት ኣውሮፓ እገዳ ጉዕዞ ኣንቢራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓታት ሕብረት ኣውሮፓ ናብ ሩሲያ ከምዝተኣገዱ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣብ ልዕሊ እቶም ኣመራርሓታት ዝተነበረ እገዳ ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ምስ ዝወሰደቶ ወታደራዊ ስጉምቲ ተተሓሒዙ ብምዕራባውያን ንዝተነበረላ ማዕቐብ…
ቤት ምኽሪ ፀፅታ ኣብ ሶማሊያ ሓዱሽ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ንኽዋፈር ወሲኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሶማሊያ ሓዱሽ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ንኽዋፈር ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
እቲ ውሳነ ፀዲቑ ዘሎ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ (ኣሚሶም) ኣብ ሶማሊያ እዋን ግቡኡ ትማሊ ምዝዛሙ…
ሩሲያን ዩክሬንን ድርድር ሰላም ፅባሕ ብኦንላይን ክቕፅላ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያን ዩክሬንን ድርድር ሰላም ፅባሕ ብኦንላይን ክቕፅላ ኢየን።
ተደራዳሪ ዩክሬን ዴቪድ ኣራካሚያ ከልቲአን ሃገራት ኣብ ተርኪ ዕዉት ዘተ ከምዘካየዳ ኣዘኻኺሮም።
እቲ ድርድር ሰላም ፅባሕ ብኦንላይን ክቕፅላ ኢየን ኢሎም።
ይኹን እንበር…
ሩሲያ 10 ዲፕሎማታት ዝተፈላለያ ሃገራት ሰጒጓ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ 10 ዲፕሎማታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ መስኮ ለቒቖም ንክወፅኡ ኣዚዛ።
እቶም ዲፕሎማታት ኢስቶኒያ፣ላቲቪያን ሊውትኒያን ገፅታ መስኮ ንምብልሻው ተንቀሳቒሶም ኢዮም ብዝበል ኢዩ እቲ ስጉምቲ ተወሲዱ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት…