Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዓለም ለኻዊ ዜናታት

መንግስቲ ሶማሊያ ብባርዕ ሓዊ ንብረቶም ንዝዓነዎም ነጋዶ ደገፍ 12 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ከተማ ሃርጌሳ ብሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንብረቶም ንዝዓነዎም ነጋዶ ደገፍ 12 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ገይሩ። ኣብ ማእኸል ዕዳጋ ዋሄን ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 28 ሰባት ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ኢዩ። ካብ 1 ነጥቢ 5 ክሳብ 2 ቢሊየን…

ሱዳናውያን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እታ ሃገር ዝገብርዎ ተቓውሞ ይቕፅል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳናውያን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እታ ሃገር ዝገብርዎ ተቓውሞ ይቕፅል ኣሎ። ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ መነግስቲን ስቪል ምምሕዳርን ሱዳን ዝነበረ ውጥረት ብዘይምዝሕሓሉ ምኽኒያት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ዕልዋ መነግስቲ ኣካይዱ…

ነበር ፕሬዚዳንት ቡርኪናፋሶ ኮምፓኦሬ ማእሰርቲ ዕድመ ይፍታሕ ተፈሪዱዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቅትለት ቶማስ ሳንካራ ዝተኸሰሱን ንኣዋርሕ ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ እናተረኣየ ዝፀንሐን ነበር ፕሬዚዳንት ቡርኪናፋሶ ብሌዝ ኮምፓኦሬ ማእሰርቲ ዕድመ ይፍታሕ ተፈሪዱዎም። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 15 ጥቅምቲ 1987 ዝተቐተለ ቶማስ ሳንካራ ቅትለቱ…

ኣብ ኣፍሪካ 346 ሚሊየን ዜጋታት ኣብ ዘስካሕኽሕ ጥሜት ከምዝርከቡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ 346 ሚሊየን ዜጋታት ኣብ ዘስካሕኽሕ ጥሜት ከምዝርከቡ ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ። ጎንፂ፣ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ናህሪ ዋጋ ምግቢን ነዳዲን ኣብታ ኣህጉር ጥሜት ንኽስፋሕፋሕ ምኽንያት ከመዝኾ ኢዩ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ…

ሕብረት ኣውሮፓ መርመርቲ ገበን ኲናት ናብ ዩክሬን ክልእኽ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዩክሬናዊት ከተማ ቡቻ ዝተፈፀመ ገበን ኲናት ዝምርምር ጉጅለ ናብ ዩክሬን ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ። ፕሬዚዳን ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ኡርሱላ ቮን ደር ሌየን፥ ምስ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዶሚር ዜለንስኪ ብስልኪ ተዛቲየን። ኣብቲ…

ውሕመ ኣብ ከተማ ቡቻ ዝተፈፀመ ቅትለት ብዘይሻራዊ ኣካል ንኽፃረ ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲሰ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኣብ ዩክሬናዊት ከተማ ቡቻ ዝተፈፀመ ቅትለት ንፁሃን ዜጋታት ዘይሻራዊ ኣካል ንኸፃርዮ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ጉተሬዝ ኣብ ትዊተር ገፆም ከምዝሓሩዎ፥ “ምስሊ ዝሞቱ ንፁሃን ዜጋታት ብምርኣየይ ተረቢሸ፤…

ልዕሊ 90 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ሜዲትራንያን ምጥሓሎም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 90 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ሜዲትራንያን ምጥሓሎም ተገሊፁ። እታ ጀልባ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ስደተኛታት ካብ ልቢያ ፅዒና ናብ ኣውሮፓ ንምሽጋር እንትትፍትን ከምዝጠሓለት ንኣሶሺየትድ ፕረስ ብምርቋሕ ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ። ካብ 1…

ሩሲያ ዕደአን ብሩብል ዘኸፍላ “ፀላእቲ” ዝበለተን ዝርዝር ሃገራት ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ዕደአን ብሩብል ዘኸፍላ “ፀላእቲ” ኢላ ዝፀርሐተን ዝርዝር ሃገራት ዕላዊ ገይራ። ብሩሲያ ፀላእቲ ተባሂለን ዝተፀርሓ ሃገራት፥ 27 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ሓዊሱ ሞናኮ፣ ስዊዘርላንድ፣ ኖርዌይ፣ ኣይስላንድን ሳን ማሪኖን፣ ኣሜሪካ፣…

ብሪታኒያ ካብ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዝኣትዉ ሓፂነመፂን እገዳ ኣንቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሪታኒያ ካብ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዝኣትዉ ሓፂነመፂን እገዳ ኣንቢራ። ትካል ኣቕራቢ ሓፂነመፂን ለንደን(ኤልኤምኢ) ከምዝበሎ፥ ካብ ሩሲያ ዝኣትዉ ሓፃዊን ኣብ መኽዘን ንከይቕመጡ እገዳ ተነቢሩ። እታ ሃገር ካብ መንጎ ዝኣገደቶም ፍሪያታት፥  ሊድ፣…

ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓታት ሕብረት ኣውሮፓ እገዳ ጉዕዞ ኣንቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓታት ሕብረት ኣውሮፓ ናብ ሩሲያ ከምዝተኣገዱ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣብ ልዕሊ እቶም ኣመራርሓታት ዝተነበረ እገዳ ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ምስ ዝወሰደቶ ወታደራዊ ስጉምቲ ተተሓሒዙ ብምዕራባውያን ንዝተነበረላ ማዕቐብ…