Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዓለም ለኻዊ ዜናታት

ፕሬዚዳንት ሃይቲ ጆቨኔል ሞይሴ ተቐንፂሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሃይቲ ጆቨኔል ሞይሴ ሎሚ መዓልቲ ብዕጡቓት ከምዝተቐንፀሉ ተገሊፁ። ፕሬዚዳንት ጆቨኔል ሞይሴ ኣብ መንበሪ ቤቶም ማንነቶም ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ። ቀዳማዊት እመቤት እታ ሃገር እውን በቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ዝበፅሖም…

28 ሰባት ዘሳፈረት ኣውሮፕላን ተጓዓዝቲ ሩሲያ ኣሰራ ጠፊኡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኤ ኤን - 26 ዝተብሃለ ኣውሮፕላን ተጓዓዝቲ ሩሲያ ኣሰራ ከምዝጠፍአ ተገሊፁ። ሰብ መዚ እታ ሃገር ከምዝበልዎ እታ ነፋሪት 28 ተጓዓዝቲ ኣሳፊራ ዝነበረት እንትትከውን፥ ምስ ኣብራሪ እታ ነፋሪት ዝግበር ዝነበረ ርክብ ኣብ መንጎ ሃንደበት ተቛሪፁ።…

ግብፂ ንካናል ስዊዝ ዓፂያ ዝነበረት መርከብ ንምልቃቕ ተስማዕሚዓ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብፂ ንካናል ስዊዝ ዓፂያ ዝነበረት መርከብ ንምልቃቕ ተስማዕሚዓ። እታ መርከብ ንዘብፀሐቶ ጉድኣት ካሕሳ ክሳብ ዝኽፈል ከይትንቀሳቐስ ተኣጊዳ ፀኒሓ ኢያ፡፡ ሕዚ ምስ ሰብ ዋና እታ መርከብን ኩባኒያ መድሕንን ብዝተገበረ ስምምዕነት ካሕሳ፥ እታ…

ኣብ ህንዲ ብምኽንያት ቫይረስ ከሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ 400 ሺሕ ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንዲ ብምኽንያት ቫይረስ ከሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ 400 ሺሕ ዛይዱ። ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሓልፍ ሰባት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፉ 39 መዓልቲታት ጥራሕ ህይወት 100 ሺሕ ሰባት…

መበል 100 ዓመት ምስረታ በዓል ኮሚዩኒስት ፓርቲ ቻይና ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 100 ዓመት ምስረታ በዓል ኮሚዩኒስት ፓርቲ ቻይና ይኽበር ኣሎ። ኣብቲ ክብረ በዓል ፕሬዚዳንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ መደረ ዘስምዑ እንትኾኑ፥ እቲ በዓል ንምዝካር ድማ 100 ግዘ መድፍዕ ከምዝተተኮሰ ተገሊፁ። ፕሬዚዳንት ዢ ጂንፒንግ፥ ዋና…

ሆንግ ኮንግ ካብ ብሪታኒያ ዝግበሩ በረራታት ኣጊዳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሆንግ ኮንግ ካብ ብሪታኒያ ናብታ ሃገር ዝግበሩ በረራታት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝኣገደት ተሓቢሩ። እቲ እገዳ ሓዱሽ (ዴልታ) ዓሌት ዘለዎ ቫይረስ ኮቪድ-19 ኣብ እንግሊዝ ምስ ምስፍሕፍሑ ስዒቡ ዝተነበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡ ካብ ብሪታኒያ ናብ ሆንግ…

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ብኢራን ዝድገፉ ጉጅለ ዕጡቓት ዒራቕን ሶሪያን መጥቃዕቲ ደብዳብ ኣየር ፈፂማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ብኢራን ዝድገፉ ጉጅለ ዕጡቓት ዒራቕን ሶሪያን መጥቃዕቲ ደብዳብ ኣየር ከምዝፈፀመት ተገሊፁ። እቲ ደብዳብ ኣየር ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝርከብ ወታደራዊ ካምቦ ኣሜሪካ ንዝፈፀሙዎ መጥቃዕቲ ድሮን ዓፀፋ ንመሃብ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ምክልኻል…

ባንኪ ዓለም ንደቡብ ሱዳን ዝኸውን 113 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ንደቡብ ሱዳን ዝኸውን 113 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ገይሩ። እቲ ሓገዝ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ሕፅረት ምግቢ ንምቅላል፣ ፍርያታውነት ንምዕባይን ሓረስቶት እቲ ኸባቢን ንምሕጋዝን ዝውዕል ከምዝኾነ ተገሊፁ። ደቡብ ሱዳን፥ እቲ ባንኪ ዓለም…

ኣሜሪካ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ኣጋዊሖም ዝበለቶም መርበብ ሓበሬታታት ኢራን ኣጊዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢሲ)ኣሜሪካ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ኣጋዊሖም ዝበለቶም መርበብ ሓበሬታታት ኢራን ካብ ኢንተርኔት ከምዝኣገደት ተገሊፁ። ቢሮ ፍትሒ ኣሜሪካ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ዋንነቶም ናይ መንግስቲ ኢራን ዝኾኑ 33 መርበብ ሓበሬታታትን ንዓመፅቲ ሃውቲ…

ሰብ መዚ ፍልስጤም እስራኤል ዝለገሰትሎም ክታበት ኮቪድ 19 ተሓሲሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ መዚ ፍልስጤም እስራኤል ዝለገሰትሎም ብውሕዱ 1 ሚልየን ዝኸውን ክታበት ኮቪድ 19 ተሓሲሞም። እቶም ሰብ መዚ ፍልስጤም እቲ ክታበት ፒፋይዘር መዓልቱ ክሕለፍ ዝቐረበ ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ። እስራኤል ኣቐድም ኣቢላ ክታበት ምኽዛን ከምዘየድልያ…