Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዓለም ለኻዊ ዜናታት

ኣብ ህንዲ ዝተወለዐ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኬንያ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንዲ ዝተወለዐ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኬንያ ኣብ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተረኸቦም ተሓቢሩ። ሚኒስትር ጥዕና ኬንያ ከምዝገለፆ፥ እቲ ቫይረስ ካብ ህዝቢ ብዝተወሰደ ጥማዕ ደም ኢዩ ተረኺቡ፡፡ እቲ ምርመራ ናብ ህንዲ ዝግበር በረራ ቅድሚ ምእጋዱ…

ሓንቲ ነብሰፁር ኣደ ኣብ ሓደ ጊዜ ትሸዓተ ቖልዑ ተገላጊላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ጓል ማሊ ዝኾነት ነብሰፁር ኣደ ኣብ ሓደ ጊዜ ትሸዓተ ቖልዑት ከምዝተገላገለት ተሓቢሩ። ትማሊ ሰሉስ ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ ኣብ ሞሮኮ ናብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ዝኣተወት ጓል 25 ዓመት ሓሊማ ሲሴ ሓሙሽተ ደቂኣንስትዮን ኣርባዕተ ደቂተባዕትዮን ብሰላም…

ፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ሱዳን ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ ናብ ሱዳን ኣምሪሖም። ኣብቲ ናብታ ሃገር ዘምረሐ ብፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኡስማን ሳሊሕን ኣማኻሪ…

ን27 ዓመታት ኣብ ሓዳር ዝፀንሑ ቢል ገይትን ብዓልቲ ቤቱ መሊንዳ ገይትን ተፋቲሖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ን27 ዓመታት ኣብ ሓዳር ዝፀንሑ ናይ ዓለምና ሃፋታም ቢል ገይትን ብዓልቲ ቤቱ መሊንዳ ገይትን ከምዝተፋትሑ ተገሊፁ። እቶም ሰብ ሓዳር፥ "ድሕሪ ሐዚ ከም መፃምድቲ ኮይንና ብሓባር ክንዓቢ ኣይንኽእልን” ብምባል ከምዝተፋትሑ ገሊፆም። ቢል…

ሃገራት ጉጅለ-7 40 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽባ ክገብራ እየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ጉጅለ-7 ዝኾና ሃብታም ሃገራት ኣብ ድኻታትን ማእከላይ ኣታዊ ዘለወንን ሃገራት ዝርከባ 40 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክሰዳ ዘኽእል ስምምዕ ከምዝገብራ ተገሊፁ። እቲ ስምምዕ ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ተግባራዊ ዝግበር ኢዩ…

ወተሃደራት ኣሜሪካን ኔቶን ካብ ኣፍጋኒስታን ክወፅኡ ከምዝጀመሩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዚያ፣ 2013 ዓ. ም(ኤፍ ቢ  ሲ)ፕረዚዳንት ጆ ባይደን ወተሃደራት ኣመሪካ ክሳብ 11 መስከረም ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሎም ክወፅኡ ብመሰረት ዝሃብዎ ትእዛዝ እታ ሃገር ወተሃደራታ ብወግዒ ካብ ኣፍጋኒስታን ከተውፅእ ምጅማራ ተገሊፁ። ወተሃደራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን (ኔቶ)…

ቱርኪ ንፈለማ እዋን ሙሉእ ዕፅዋ ምንቅስቓስ ክተንብር ኢያ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቱርኪ ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ኮቪድ-19 ንፈለማ እዋን ሙሉእ ዕፅዋ ምንቅስቓስ ክተንብር ኢያ ተባሂሉ። መንግስቲ እታ ሃገር፥ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምግታእን መጠን ሞት ንምንካይን ብዝብል ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ሙሉእ ዕፅ ምንቅስቓስ ከምዘንብር…

ፕሬዚዳንት ሞሓመድ ኣብዱላሂ ፎርማጆ ዝተናውሐ ዘበነ ስልጣኖም ብምስራዝ ምርጫ ንኽካየድ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሞሓመድ ኣብዱላሂ ፎርማጆ ዝተናውሐ ዘበነ ስልጣኖም ብምስራዝ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ንኽካየድ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ ሶማሊያ ምንዋሕ ዘበነ ስልጣን ፕሬዚደን ሞሓመድ ፋርማጆ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ዘይምስምዕማዕ ኣብከተማ ሞቃዲሾ ናዕቢ…

ኣሜሪካ ሙሉእ ንሙሉእ ክታበት ዝወሰዱ ዜጋታት “ማስክ” እንተይገበሩ ንኽንቀሳቐሱ ፈቒዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ሙሉእ ንሙሉእ ክታበት ዝወሰዱ ዜጋታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን እንተይገበሩ ንኽንቀሳቐሱ ፈቒዳ። መእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት እታ ሃገር ዘውፅኦ መምርሒ፥ እቶም ዜጋታት ጉዕዞ እግሪ ምግባር፣ በስክሌት ምዝዋር፣ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት…

ኣብ ሞቃዲሾ ምንዋሕ ዘበነ ስልጣን ፕሬዚደን ፋርማጆ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ዘይምስምዕማዕ ናዕቢ ተፈጢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሶማሊያ ምንዋሕ ዘበነ ስልጣን ፕሬዚደን ሞሓመድ ፋርማጆ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ዘይምስምዕማዕ ኣብከተማ ሞቃዲሾ ናዕቢ ተፈጢሩ። እቲ ናዕቢ፥ ኣብ ሞንጎ ሓይሊታት ፀፅታ ነቶም ፕሬዚዳንት ዝድግፉን ዝቃወሙን ኢዩ ተባሂሉ፡፡ ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ…