Browsing Category
ዓለም ለኻዊ ዜናታት
ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ውሽጢ 2 ዓመት ከብቅዕ ይኽእል ‘ዩ ክብሉ ዶ/ር ተድሮስ ኣድሓኖም ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክጠፍእ ከም ዝኽእል ተዛሪቦም።
ዶ/ር ተድሮስ ትማሊ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1918 ኣጋጢሙ…
ውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ኣብ ኣፍሪካ ኣቢያተ ትምህርቲ ዳግም ንኽኽፈታ ፃውዒት ኣቕሪቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለምን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል መድሕን ህፃናትን ኣብ ኣፍሪካ ኣቢያተ ትምህርቲ ዳግም ንኽኽፈታ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እቶም ትካላት ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣቢያተ ትምህርቲ ምዕፃው ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዘስዕብ…
ሕብረት ኣፍሪካ ሃገረ ማሊ ካብ ኣባልነት ኣጊዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ሃገረ ማሊ ካብ ኣባልነት ከምዝኣገደ ተገሊፁ።
እቲ ሕብረት ኣብ ማሊ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ምክያዱ ስዒቡ ኢዩ ነታ ሃገር ካብ ኣባልነት ኣጊዶዋ ተባሂሉ።
እቲ እገዳ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክሳብ ዝምለስ ከምዝፀንሕ ድማ…
ፕሬዚዳንት ማሊ ቡባካር ኪዬታ ብወተሃደራት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምስ ወዓሉ ስልጣኖም ከምዝለቐቑ ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ማሊ ኢብራሂም ቡባካር ኪዬታ ትማሊ ብሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብትሕቲ ቁፅፅር ምስ ወዓሉ ኣብ ማዕኸን ቴሌቪዥ እታ ሃገር ቀሪቦም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ስልጣኖም ከምዝለቐቑን ፓርላማ…
ብብርኪ ዓለም ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት 22 ሚልየን በፂሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት 22 ሚልየን ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።
ቁፅሪ ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 774 ሺሕ በፂሑ'ሎ።
ዝለዓለ መልከፍትን ሞትን ኣመዝጊባ ዘለ ግን ኣመሪካ እያ።
ኣብታ ሃገር ጥራሕ ልዕሊ 5 ነጥቢ 4 ሚልየን…
ኣብ ኣሜሪካ ምናልባት ካብ ዓለም ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል ዝተብሃለሉ መጠን ዋዒ ምምዝጋቡ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ምናልባት ካብ ዓለም ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል ዝተብሃለሉ መጠን ዋዒ ምምዝጋቡ ተገሊፁ።
እቲ መጠን ዋዒ 54 ነጥቢ 4 ዲግሪ ሴሊሺየስ ኮይኑ ዝተመዝገበ እንትኸውን፥ ካሊፎርኒያ ኣብ ዝርከብ ፓርክ ዴዝ ቫሊ ዝተመዝገበ ኢዩ ተባሂሉ።…
ኣሜሪካ ነዳዲ ዝፀዓና ኣርባዕተ መራኽብ ኢራን ዓጊታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ነዳዲ ፅዒነን ናብ ቬንዝወላ ዝጓዓዛ ዝነበራ ኣርባዕተ መራኽብ ኢራን ከም ዝሓዘት ኣፍሊጣ።
ሚኒስቴር ፍትሒ እታ ሃገር ከምዝበሎ፥ ነተን ነዳዲ ዝፀዓና መራኽብ ብዕውት መገዲ ከም ዝሓዘን ኣፍሊጡ ኢዩ።
እንተኾነ እተን ነዳዲ ዝፀዓና መራኽብ…
ኣብ 7 ሃገራት ኣፍሪካ ምርመራ ዓቕሚ ምክልኻል ሰውነት ቫይረስ ኮሮና ክጅመር ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪካ ምርመራ ዓቕሚ ምክልኻል ሰውነት ቫይረስ ኮሮና ክጅመር ምዃኑ ተገሊፁ።
እቲ ምርመራ ዓቕሚ ምክልኻል ሰውነት፥ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ከምዝጅመር ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ።
ቫይረስ ኮሮና ኣብ…
ሩስያ ዘማዕቢላቶ ክታበት ቫይረስኮሮና ድሕሪ 2 ወርሒ ከም ክታበት ኮይኑ ንከገልግል ፍቓድ ከም ዝተውሃቦ ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሩስያ ነቲ ኣማዕቢላቶ ዘላ ክታበት ቫይረስኮሮና ኣብ ሰብ ምስ ፈተነቶ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ከም ክታበት ቫይረስኮሮና ኮይኑ ንክውዕል ብሰሉስ ፍቓድ ከም ዝተውሃቦ ገሊፃ።
ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ብሰሉስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ክታበት ኩሉ ዓይነት…
ምስ ኣይሲስ ርክብ ከም ዘለዎም ዝግለፁ ዕጡቓት ንወደባዊት ከተማ ሞሲምብኣ ዳ ፕራያ ምቁፅፃሮም ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ምስ ጉጅለ ዳዕሽ ምትሕሓዝ ከምዘለዎም ዝግለፁ ዕጡቓት ሞዛምፒክ ንኣገዳሲት ወደብ ሞዛምቢክ ዝኾነት ከተማ ሞሲምብኣ ዳ ፕራያ ድሕሪ ንመዓልታት ዝቀፀለ ኵናት ከምዝተቆፃፀርዎ ተገሊፁ።
እታ ኣብ ጫፍ ሰሜናዊ ክፋል ሞዛምኩክ እትርከብ ወደባዊት ከተማ እቶም…