Browsing Category
ዓለም ለኻዊ ዜናታት
ትማሊ ኣብ ሊባኖስ ከተማ ቤሩት ብዘጋጠመ ሓያል ምፍንጃር ነታጒ ልዕሊ100 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትማሊ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ከተማ ቤሩት ብዘጋጠመ ሓያል ምፍንጃር ነታጒ ብውሑዱ 100 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ።
እቲ ኣብ ወደባዊ ክፋል እታ ከተማ ዘጋጠመ ኣዝዩ ዘደንግፅ ነታጒ፥ ክሳብ ሕዚ መልዐሊ እቲ ሓደጋ ኣይተፈለጠን ተባሂሉ።
በቲ…
ኮቪድ 19 ንምፍዋስ ዘኽእል ክታበት ንምርካብ ዝግበር ፃዕሪ ዘይክዕወት ይኽእል ኢዩ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ክታበት ቫይረስኮሮና ንምርካብ ዘሎ ተስፋ ክመናመን ይኽእል'ዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም።
እቶም ዳይሬክተር ጀነራል፥ ቫይረስኮሮና ንምፍዋስ ዘኽእል ቀጥታዊ መፍትሒ ኣብዚ ሕዚ እዋን የለን፤…
ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝኸውን ፍቱን መድሓኒት ዘይክህሉ ይኽእል ኢዩ – ውድብ ጥዕና ዓለም
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝኸውን ፍቱን መድሓኒት ዘይክህሉ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣተሓሳሲቡ።
ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ መርብ ሓበሬታ ቪዲዮ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ቫይረስ ዝከላኸል…
ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ካብ ፍርቂ ሚሊየን ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ካብ ፍርቂ ሚሊየን ከምዝዛየደ ተገሊፁ።
ኣብታ ሃገር 511 ሺሕን 485 ሰባት በቲ ቫይረስ እንትልከፉ፥ 8 ሺሕን 366 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።
ብመሰረት እዚ ደቡብ ኣፍሪካ ካብ…
ኣብ ሱዳን ሓደ ግድብ ብምፍራሱ 600 ኣባይቲ ዓኒዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሱዳን ግዝኣት ብሉናይል ብምኽኒያት ዘጋጠመ ምፍራስ ሓደ ግድብ 600 ኣባይቲ ምዕናዎም ተገሊፁ።
መራኸብቲ ሓፋሽ ሱዳን ፍልፍል ብምጥቃም ሲ ጂ ቲ ኤን ከምዝፀብፀቦ፥ “ቦት” ዝብል መፀውዒ ዘለዎ እቲ ግድብ 6 ሚሊየን ሜትር ኪዩብ ማይ ናይ ምሓዝ…
ፕሬዚዳንት ትራምፕ ቻይናዊ ትካል ቲክቶክ ኣብ ሃገሮም ንከየገልግል ዘኽእል ክታም ሎሚ መዓልቲ ከንብሩ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ብቻይና ዝውነን ተንቀሳቓሲ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርግሖ መተግበሪ “ቲክቶክ” ኣብ ኣሜሪካ ንከየገልግል ከምዝእግድዎ ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳንት ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ነቲ መተግበሪ ንምኽልካል ሎሚ…
ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ተሸከርካሪት ብዝተፀመደ ነታጒ 17 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ተሸከርካሪት ብዝተፀመደ ነታጒ ብውሕዱ 17 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።
እቲ መጥቃዕቲ ነትጒ፥ ሎጋር ኣብ ዝበሃል ግዝኣት ዝርከብ ናይ ምምሕዳር ህንፃ ከባቢ ዝተፈፀመ እንትኸውን፥ ብዙሓት ሰባት ናይ በዓል ዕድጊት ኣብ…
ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ 2020 ንክናዋሕ ሓቲቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ 2020 እታ ሃገር ንክናዋሕ ሓቲቶም።
እቲ ምርጫ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ወርሒ ሕዳር ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ እንትኸውን፥ ግዝኣታት እታ ሃገር ብምኽኒያት ለበዳ ሕማም…
ቻይናን ህንድን ኣብ ዶባዊ ወጥሪ ኣብ ዘለዋሉ እዋን ህንዲ ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናት ካብ ፈረንሳይ ከምዝዓደገት ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቻይናን ህንድን ኣብ ዶባዊ ወጥሪ ኣብ ዘለዋሉ እዋን ሓይሊ ኣየር ህንዲ ‘ራፋል’ ዝተሰመያ ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናት ካብ ፈረንሳይ ተረኪቡ።
ህንዲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2016 ዓ.ም 36 ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናት ካብ ፈረንሳይ ክትዕድግ ኣብ…
ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ሕፅረት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ከጋጥም ከምዝኽእል ሲዲሲ ኣፍሪካ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ሕፅረት ኣቑሑት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ከጋጥም ከምዝኽእል ማእኸል መከላኸሊን መቆፃፀሪን ሕማማት ኣፍሪካ (ሲዲሲ ኣፍሪካ) ኣፍሊጡ።
እቲ ማእኸል ኣብ ዘውፀአኦ መግለፂ ሃገራት ኣፍሪካ ከጋጥመን ዝኽእል ሕፅረት መከላኸሊ…