Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዓለም ለኻዊ ዜናታት

ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ መዋይ ኪባኪ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ መዋይ ኪባኪ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም። ሳልሳይ ነበር ፕሬዚዳንትን ኬንያ ነታ ሃገር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2003 ክሳብ 2013 ዝመርሑን መዋይ ኪባኪ፥ ኣብ 90 ዓመቶም ሎሚ መዓልቲ ካብዛ ዓለም ብሞት…

ሓዱሽ ምሳኤል ሩሲያ ፀላእትና ደጋጊሞም ክሓስቡ ዝገብር ኢዩ-ፑቲን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ሩሲያ ዕዉት ብዝኾነ ኩነታት ዝፈተነቶ ሓዱሽ ምሳኤል ፀላእትና ደጋጊሞም ክሓስቡ ዝገብር ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳነት እታ ሃገር ቪላድሚር ፑቲን ተዛሪቦም። ሩሲያ ሳርማት ዝተብሃለ ኣህጉር ናይ ምቁራፅ ዓቕሚ ዘለዎ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ምግባራ ኤጀንሲ…

ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኣሪዞና ዝተወለዐ ሰደድ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 700 ኣባይቲ ኣዕኒዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ገፀር ከባቢታት ግዝኣት ኣሪዞና ብዝተለዓለ ንፋስ ምኽንያት ዝተወለዐ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 700 ኣባይቲ ከምዘዕነወ ተገሊፁ። ኣብ ሰሜናዊ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ኣሪዞና ከተማ ፍላግስታፍ ውፅእ ኢሉ ዝተወለዐ ቅልጡፍ ሰደድ ባርዕ ሓዊ፥ ልዑል…

ሩሲያ ዲፕሎማት ኔዘርላንድን ቤልጂዬምን ኣባሪራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ 15 ዲፕሎማት ኔዘርላንድን ካልኦት ቁፅሮም ብዕሊ ዘይተፈልጠ ዲፕሎማት ቤልጂዬምን ኣባሪራ። እቶም ዲፕሎማት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ሩሲያ ለቒቖም ንክወፅኡ ትእዛዝ ከምዝተውሃበ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። እቲ ስጉምቲ…

ሩሲያ ትማሊ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዝፈፀመቶ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ልዑል ክሳራ ከምዘብፀሐት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ሩሲያ ትማሊ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብሓይሊ ኣየር፣ ሚሳኤል፣ መድፍዕን መቃወሚ ኣየርን ተሓጊዛ ብዝፈፀመቶ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ወታደራዊ ሓይሊ ዩክሬን ልዑል ክሳራ ከምዘብፀሐት ሚኒስቴር ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ። እቶም መጥቃዕቲታት ዒላማ…

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ቁፅሪ መወትቲ ልዕሊ 440 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ቅድሚ ሒደት መዓልቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ቁፅሪ መወትቲ 443 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ግዝኣት ከዋዙሉ-ናታል ቅድሚ ሒደት መዓልቲ ብምኽንያት ዝወቕዐ ዝናብ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅን ምህንዳስ መሬትን ስዒቡ ክልተ…

ተርኪ ኣብ ሰሜናዊ ኢራቕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምክያድ ጀሚራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ተርኪ ኣብ ሰሜናዊ ኢራቕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምክያድ ምጅማራ ኣፍሊጣ። ሚኒስቴር መክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሰራሕተኛታት ፓርቲ ኩርድ (ፒኬኬ) ዘነፃፀረ ዶብ ተሻጋሪ ወተሃደራዊ ወፍሪ ተጀሚሩ ኣሎ ኢሉ። እቲ ወፍሪ፥…

35 ስደተታት ኣሳፍፊ እናተጓዘት ዝነበረት ጀልባ ከምዝጠሓለት ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)35 ስደተታት ኣሳፍፊ እናተጓዘት ዝነበረት ጀልባ ከምዝጠሓለት ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ኣፍሊጡ። እታ ጃልባ፥ ኣብ ከባቢ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ምዕራባዊ ጠረፍ ባሕሪ ሊቢያ ከምዝጠሓለት ገሊፁ። ክሳብ ሕዚ ሹዱሽተ ኣስከሬናት ዝተረኸበ እንትኸውን፥…

ቦሪስ ጆንሰን ሓዊሱ ካልኦት 10 ላዕለዎት ሰብ መዚ እንግሊዝ ናብ ሃገራ ንከይኣትዉ ሩሲያ ኣጊዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቦሪስ ጆንሰን ሓዊሱ ካልኦት 10 ላዕለዎት ሰብ መዚ እንግሊዝ ናብ ሃገራ ንከይኣትዉ ሩሲያ ኣጊዳ። ሩሲያ ኣብ ልዐሊ ዩክሬን ትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ብዝምልከት እንግሊዝ ዝወሰደቶ “ቅዋም ፅልኣት” ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን ሓዊሱ ካልኦት…

ሩሲያ መፍረዪ ሚሳኤል ዩክሬን ከምዘዕነወት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ኣብ ከባቢ ኪየቭ ዝርከብ መፍረዪ ሚሳኤል ዩክሬን ከምዘዕነወት ኣፍሊጣ። እቲ ዕንወት ዝተፈፀመ ዩክሬን መርከብ ኣፅዋር ሩሲያ “ብሚሳኤል ወቒዐ ኣጥሒለዮ” ምባላ ስዒቡ ከመዝኾነ ተገሊፁ። ሩሲያ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ተወሳኺ መጥቃዕቲ…