Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ዲጂታል ልውውጥ ንግዲ ንሓለዋ መሰል ዓማዊል ፍሉይ ጠመተ ከምዝህብ ተገሊፁ

አዲስ አበባ፣ ግንቦት 24፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ ዲጂታል ልውውጥ ንግዲ ንሓለዋ መሰል ዓማዊል ፍሉይ ጠመተ ከምዝህብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ። “ሓለዋ ዓማዊል ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ” ብዝበል መሪሕ ቃል  ኤፍ.ኤስ.ዲ ኢትዮጵያ ዘሰናድኦ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስራሕቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዴሞክራሲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስራሕቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ኣተሓሳሲቡ። እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዱ። ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዴሞክራሲ እውነቱ አለነ፥  እቲ…

ኣሜሪካ፣ ጃፓንን ፊሊፒንስን ሓበራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ክገብራ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ፣ ጃፓንን ፊሊፒንስን ሓበራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ክገብራ ኢየን። እቲ ልምምድ ብታሪክ ሰለስቲአን ሃገራት ንፈለማ እዋን ዘካይድኡ ዘለዋ ኢዩ ተባሂሉ። ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ  ወታደራዊ ዲፕሎማሲኣ ክብ ንምባልን ስትራቴጂያዊ ረብሓኣ ንምሕላውን…

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ኤግዚብሽን ሳይንስ ግብርና ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ኤግዚብሽን ሳይንስ ግብርና ዑደት ኣሳሊጦም። ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ፣ ሚኒስትር ፕላንን ልማትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ደስታ ሌዳሞን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር…

ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ሪዞርት ሃላላ ኬላ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ተረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ  ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ሪዞርት ሃላላ ኬላ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ተረኪቡ። መንግስቲ እቲ ክልል፥ ናይ ፕሮጀክት ንሃገር ኣካል ዝኾነ ኣብ ክላስተር ፕሮጀክት ኮይሻ ዝለምዕ ዘሎ ሪዞርት ሃላላ ኬላ ኢዩ ተረኪቡ።…

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ በዓለ ሹመት ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ተረኺበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ በዓለ ሹመት ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ኣሕመድ ቲኑቡ ተረኺበን። ኣብቲ ስነስርዓት ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ። ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ፃንሒተን…

ኢትዮጵያን ጣሊያንን ስምምዕነት ደገፍ 7 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዩሮ ፈሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጣሊያንን ስምምዕነት ደገፍ 7 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዩሮ ፈሪመን። ኣብቲ ሰነድ ስምምዕ፥ ኣምባሳደር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣጎስቲኖ ፓሌሴን ዳይሬክተር ቢሮ ምትሕብባር ፕሮጀክትታት ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ወርቅነሽ መኮንን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።…

ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ትካል ኣፍራዪ ዕጥቂ ጎፈሬ ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ትካል ኣፍራዪ ዕጥቂ ጎፈሬ ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ። ብመሰረት እቲ ውዕል፥ ንቐፃሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ንጋንታ ኩዕሶ እግሪ ክልቲኡ ፆታ ንውድድርን ልምምድን ዝኸውን ጥዕቂ ከቕርብ ኢዩ ተባሂሉ። ዋና ፀሓፊ…

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጅዳ ዝግበር ዝነበረ ድርድር ከምዘቋረፆ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጅዳ ዝግበር ዝነበረ ድርድር ደው ምባል ተኲሲ ከምዘቋረፆ  ዲፕሎማቲክ ፍልፍላት ሱዳን ገሊፀን። ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ዘጋጠመ ጎንፂ ልዕሊ 100 ሺሕ ሱዳናዊያን ከምዝተመዛበሉ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ። ጦሩ የአሁኑን ድርድር በይደር…

ሰሜን ኮርያ ናብ ህዋ ዘወንጨፈታ ፈላመይቲ ሳተላይት ናብ ባሕሪ ከምዝወደቐት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰሜን ኮርያ ናብ ህዋ ክትልእኻ ዝሓሰበታ ፈላመይቲ ሳተላይት ሓደጋ ኣጓኒፉዋ ናብ ባሕሪ ከም ዝወደቐት ገሊፃ። እታ ሃገር ቅድም ክብል ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ኣሜሪካ ንምክትታል 11 ሰነ 2023 ዓ.ም.ፈ ሳተላይት ከወንጭፍ እየ ኢላ ምንባራ ይዝከር።…