Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን እስራኤልን ትካል ድሕንነት ሳይበር ንምጥያሽ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ምስ ብሄራዊ ዳይሬክቶሬት ሳይበር እስራኤል ብምትሕብባር ልዝብ ኣካይዶም። ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል ምስ ሚኒስቴር ክልላዊን ከባቢያዊን ምትሕብባር መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ…

ኣብ ውድድር ፅዋዕ ሴካፋ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ምድብ ክልተ ተመዲባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድድር ፅዋዕ ሴካፋ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ምድብ ክልተ ምስ ኤርትራን ቡሩንዲን ተደልዲላ። ትሽዓት ሃገራት ኣብ ዝሳተፋሉን ኢትዮጵያ ኣብ ተሰናድኦን ውድድር ፅዋዕ ሴካፋ፥ ምድብል ድልድል ዕላዊ ኮይኑ። ብመሰረት እዚ፦ 1ይ ምድብ,…

ንግድብ ህዳሰ ዝኸውን ልዕሊ 2 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሓምለ ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ 2013 ዓ.ም ካብ ህዝቢ ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝኸውን ልዕሊ 2 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ኣተሓባባሪ ህዝባዊ ተሳትፎ  ገሊፁ። እቲ 2 ቢሊየንን 49 ሚሊየንን 85 ሺሕን 105 ብር ካብ 1 ሓምለ 2012…

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቱ ዘመሓላለፎ ውሳነ እናተካየደ ኣብ ዘሎ ከይዲ ምፅራይ ኢድ ምእታዊ ኢዩ – ሚኒስቴር…

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቱ ዘመሓላለፎ ውሳነ እናተካየደ ኣብ ዘሎ ከይዲ ምፅራይ ኢድ ምእታዊ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ፌዴሪኢ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል…

ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 7 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ምድላው ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 7 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ዝካየድ 3ይ ዙር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፥ ሚኒስትራት፣ ላዕለዋት…

ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ሕብት ኣፍሪካ ዝካየድ ድርድር ግድብ ህዳሰ ብዓወት ንኽዛዘም ቆራፅ ከምዝኾነት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ሕብት ኣፍሪካ ዝካየድ ድርድር ግድብ ህዳሰ ብዓወት ንኽዛዘም ቆራፅ ከምዝኾነት ኣፍሊጣ። ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ፡፡ ኣብ መግለፂ ድማ ኢትዮጵያ በቲ ሕብረት ኣቢሉ…

ኣብ ማእኸል ሕክምና ኮቪድ 19 ዒራቕ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ልዕሊ 50 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዒራቕ ሕሙማት ቫይረስኮሮና ኣብ ዝሕከሙሉ ክፍሊ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ። እቲ ሓደጋ ባርዕ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ናሲርያ ኣብ ዝርከብ ኣል ሁሴን ኣብ ዝተባህለ ሆስፒታል'ዩ ኣጋጢሙ። ጠንቂ እቲ ባርዕ ክሳብ ሐዚ…

ካልኣይ ዙር ክታበት ኮቪድ 19 ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ትካላት ጥዕና ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙር ክታበት ኮቪድ 19 ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ትካላት ጥዕና ክወሃብ ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ኣብ ቀዳማይ ዙር ልዕሊ 2 ሚሊየን ዜጋታት ክታበት ከምዝወሰዱ ገሊፀን። ልዕሊ 42…

ዝነበሩ ልኡኽቶታት ብዓወት ንምውፃእ ሓገዝ ህዝቢ ናይ ሞራል ስንቂ ኮይኑና ኢዩ – ብ/ጀነራል ኣስፋው ማመጫ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከተማን ክፍለ ከተማ የካ ብምዃን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንኢትዮጵያን ንኽደና ብዝብል ተኸላ ፈልሲ ኣሳሊጦም፡፡ ዳይሬክተር ተወካሊ ኢንዶክትሪኔሽን ሰራዊት ምክልኻል ብርጋዴር ጀነራል ኣስፋው…

ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2013 ዓ.ም ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2013 ዓ.ም ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ከምዝወሃብ ሃገር ለኸ ኤጀንሲ ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ ኣፍሊጡ። ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ዶክተር ዴላሞ ኦቶሬ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥…