Fana: At a Speed of Life!

ሃገረ ስብከት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክልል ትግራይን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ብዝተፈላለዩ ፀገማት ንዝተመዛበሉ ወገናት 15 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገረ ስብከት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክልል ትግራይን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ብዝተፈላለዩ ፀገማት ንዝተመዛበሉ ወገናት 15 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ። ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ክልል ትግራይን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ብዘጋጠሙ እዋናዊ ፀገማት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት…

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ኣማራፂ ሰላም ዝተቐበሉ 436 ኣባላት ኦነግ ሽኔ ናብ ህዝቦም ክሕወሱ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ኣማራፂ ሰላም ዝተቐበሉ 436 ኣባላት ኦነግ ሽኔ ናብ ህዝቦም ክሕወሱ ተገይሩ። <span;>እቶም ኣባላት ስልጠና ብምውሳድ ናብ ህዝቢ ክሕወሱ ከምዝተገበረ ቤት ፅሕፈት ፀፅታን ምምሕዳርን እቲ ዞብ ኣፍሊጡ።።…

ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ዳይሬክተር ፕሮግራም ልምዓት ውሕመ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ  ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ዳይሬክተር ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኣሁና ኢዚያኮንዋ ተዛቲየን። እተን ምክትል ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፀን ከምዝበልኡ፥ ምስተን ዳይሬክተር…

በዓል ዋና ሙለር ሪል ስቴት ኣይተ ሙሉጌታ ተስፋኪሮስ ብገበን ግዕዚይና ክሲ ተመስሪቱሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ዓቃቤ ሕጊ ኣብ ልዕሊ በዓል ዋና ሙለር ሪል ስቴት ኣይተ ሙሉጌታ ተስፋኪሮስ ብገበን ግዕዚይና ክሲ መስሪቱ። ላዕላዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ብመጋባእያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣብ ዝተውሃቦ ክሲ መመስረቲ ሓሙሽተ መዓልታት ውሽጢ ክሲ ከምዝመስረተ…

ኣብ ትግራይ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ እናዛብዑ ዘቕርቡ ገፅታ ኢትዮጵያ ንምብልሻው ናይ ዝደሊዩ ኣካላት ከንቱ ባህጊ ኢዩ-ቀዋሚ መልእኽተኛ ፌዴሪኢ ኣብ ውሕመ ጄኔቫ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ እናዛብዑ ዘቕርቡ ገፅታ ኢትዮጵያ ንምብልሻው ዝደሊዩ ኣካላት ከንቱ ባህጊ ከምዝኾነ ቀዋሚ መልእኽተኛ ፌዴሪኢ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ጄኔቫ ኣፍሊጡ። በቲ ጉዳይ ሚዲያን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ብሓሶት…

ኣብ ዞባ መተከል 120 ሽፍታታት ኢዶም ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ መተከል 120 ሽፍታታት ኣብቲ ዞባ ንዝተጣየሸ ዝተዋደደ ግብረ ሓይሊ ኢዶም ሂቦም። ተወካሊ ሓላፊ ወፍሪ ሕብረት እዚ ሰሜን ኮሎኔል ፋሲል ይግዛው፥ እቶም ሽፍታታት ብናይ ሓሶት ወረ ዝኸሰረ ጁንታ ህወሓት ጫካ ኣቲዮም ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።…

ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ መመዘኒ ዓለም ለኸ ትካላት ብምምላእ ናብ ትግራይ ብምኻድ ደገፍ ንምግባር ንዘመልከቱ 75 ኣባላት ፍቓድ ከምዝተውሃበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ መመዘኒ ዓለም ለኸ ትካላት ብምምላእ ናብ ክልል ትግራይ ብምኻድ ደገፍ ንምግባር ንዘመልከቱ 75 ኣባላት ፍቓድ ከምዝተውሃበ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስቴር ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ኣብቲ ክልል…

ፈነወ ቢቢሲ ኣብ ቻይና ከይመሓላለፍ ተኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቻይና ፈነወ ቴሌቪዥንን ሬድዮን ቢቢሲ ዎርልድ ኒውስ ኣብታ ሃገር ንከይመሓላለፍ ከምዝኣገደት ተገሊፁ። ቢቢሲ ኣብ ለበዳ ቫይረስኮሮናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዊገር ዝበፅሕ ግፍዕን ኣመልኪቱ ንዘቕርቦም ፀብፃባት ክትከስስ ዝፀንሐት ቻይና፥ ካብ ትማሊ ጀሚሩ…

ኣምባሳደር ድሪባ ኩማ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ስዊድንን ነርወይን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ድሪባ ኩማ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ስዊድንን ነርወይን ተዛቲዮም። ኣብቲ ዘተ ሓላፊት መምርሒ ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዊድን አምባሳደር ኢሪና ሾውልጊን ኒዮኒን ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኖርወይ…

ብኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን ናብ ጅማ ኣቕኒዑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ዝምራሑ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን ናብ ጅማ ኣቕኒዖም። ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ወ/ሮ መኣዛ ኣሸናፊ ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ዕላዊ…