Fana: At a Speed of Life!

ክልል ሶማሌ ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ቡለን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ቡለን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ። ምንም ዓይነት ተሳትፎ ፖለቲካ ዘይብሎም ኣብ ክልል ቤኒሻንጉልጉምዝ ዞባ መተከል ወረዳ ቡለን ብረሃፆም ዝሓድሩ…

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 410 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 503ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 410 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 121 ሺሕን 399…

ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓደሽቲ ኣባላት ካቢኔ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓደሽቲ ኣባላት ካቢኔ ተሸይሞም ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ምምሕዳር ኣይተ ገብረመስቀል ካሳ፥ ኣብቲ ክልል ካብ ሞንጎ ዘድሊዩ 16 ኣባላት ካቢኔ 11 ተሸምቲ ብወግዒ ስራሕ ምጅማሮም…

ኣምባሳደር ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ንኻልኣይ ግዘ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣምባሳደር ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ንኻልኣይ ግዘ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ታሕሳስ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ንኻልኣይ ግዘ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ጉዳዮም ተራእዩ። ስለዝኾነ መርማሪ ፖሊስ፥ ኣምባሳደር ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ልኡኽቶ ተቐቢሎም…

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምጥያሽ ፎረም መናእሰይ ዲፕሎማሰኛታትን ሰራሕተኛታትን ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምጥያሽ ፎረም መናእሰይ ዲፕሎማሰኛታትን ሰራሕተኛታትን ከምዝተኻየደ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ኣብ ዝተረኸባሉ ኢዩ፤ እቲ ፎረም ምጥያሽ ዲፕሎማሰኛታትን…

ኢትዮጵያ ዘፈር ቁጠባዊ ሃፍቲ ንምስፋሕ ምስ ብራዚል ከምትሰርሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘፈር ቁጠባዊ ሃፍቲ ንምስፋሕ ምስ ብራዚል ተሓባቢራ ከምትሰርሕ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ገሊፆም። እቶም ኣካቢ ምስ ኣምባሳደር ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያ ኣቪ ፔድሮሶ…

ናብ ቤት ትምህርቲ ንመለስ ዝብል ወፍሪ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ቤት ትምህርቲ ንመለስ ዝብል ወፍሪ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ከምዝካየድ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስቴር፥ ካብ ቤት ትምህርቲ ዝተረፉ ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም ኣብ ዝምለሱሉ ኩነታት ኣድሂቦም ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓታት መንግስቲ ብመርበብ…

ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሜጀር ጄነራል ገብረመድህን ፍቃዴን ሓዊሱ 7 ላዕለዎት መኮንናት ጦር 12 ተወሰኽቲ መዓልቲታት ፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ብገበን ክሕደት ሃገርን ሕገ-መንግስቲን ሕገመንግስታዊ ስርዓት ምፍራስን ዝተጠርጠሩ እኒ ሜጀር ጄነራል ገብረመድህን ፍቃዴን (ወዲ ነጮ) ሓዊሱ 7 ላዕለዎት መኮንናት ጦር 12 ተወሰኽቲ መዓልቲታት ንፖሊስ ፈቒዱ። እቲ መጋባእያ ንሎሚ መዓልቲ ብይሕደር…

ኣምባሳደር ግርማ ተመስገን ምስ ሓላፊ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ፓርላማ ቱርክ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ታሕሳስ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቱርኪ ኣምባሳደር ግርማ ተመስገን ምስ ሓላፊ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ፓርላማ ቱርክ ኣኪፍ ካጋታይ ኪሊክ ተዛቲዮም። ኣምባሳደር ግርማ ኣብ ዘተኦም፥ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።…

ኣብ ዞበ መተከል ምስ ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ተተሓሒዙ 7 ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዞበ መተከል ምስ ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ተተሓሒዙ ሸውዓት ዝኾኑ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኮማንድ ፖስት ዞባ መተከል ኣፍሊጡ። እቲ ኮማንድ ፖሰት፥ ኣብቲ ዞባ ምስ ዝተፈጠረ ፀግም ተተሃሒዙ ኢዶም ኣለዎ ብዝብል…