Fana: At a Speed of Life!

ዝተጀመረ ስራሕ ሪፎርም ልዕልነት ሕገ-መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ብዝሐሸ ንምፍፃም ከምዝሕግዝ ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ዝተጀመረ ስራሕ ሪፎርም ልዕልነት ሕገ-መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ብዝሐሸ መልክዑ ንምፍፃም ከምዝሕግዝ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም። እቶም ኣፈ ጉባኤ እዚ ዝበሉ፥ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴራል፣ ክልላትን…

ሕብረተሰብ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝልቀቑ ሓበሬታታት ሓቃውነቶም ከረረጋግፅ ይግባእ – ፓርቲ ብልፅግና

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረተሰብ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝልቀቑ ሓበሬታታት ሓቃውነቶም ከረረጋግፅ ከምዝግባእ ፓርቲ ብልፅግና ኣገንዚቡ። እቲ ፓርቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ብማሕበራዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝፍነዉ ናይ ሕሶት…

ኣወዳድባ ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ከም  ኣካል ወዲሰብ ድምር ውፅት ብዙሓት ኣካላት ኢዩ – ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ስራሕቲ ምቁፅፃር ኮንስትራክሽን ፌዴሪኢ ኣብ ማዕቐፍ ሕጊን ኣተገባብራን ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ተኹረት ብምግባር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይዛተ ኣሎ። እቲ ዘተ”ውፅታዊ ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ንምዕባለ ኢትዮጵያ” ብዝብል…

ፎረም ምትሕብባር ትሽዓተ ዩኒቨርሲቲታትን መንግስቲ ክልል ደቡብን ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፎረም ምትሕብባር ትሽዓተ ዩኒቨርሲቲታትን መንግስቲ ክልል ደቡብን ተጣይሹ። ኣብቲ ፎሮም ኣባል ዝኾና ኣብ ክልል ደቡብ ዝርከባ ትሽዓተ ዩኒቨርሲታት ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ምጥያሽ እቲ ፎሮም ተፈራሪመን። እቲ ፎረም ምትሕብባር ኣብ 6 ወርሒ…

ፍራንክ ላምፓርድ ካብ ቼልሲ ኣሰልጣንነቱ ተሰናቢቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ  ፍራንክ ላምፓርድ ካብ ቼልሲ ኣሰልጣንነቱ ከምዝተሰናበተ እታ ጋንታ ኣፍሊጣ። ኮኾብ ተፃዋቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቼልሲ ዝነበረን ነታ ጋንታ ካብ ማውሪዝዮ ሳሪ ሓላፍነት ዝተረከበን ፍራንክ ላምፓርድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ወርሒ ሓምለ…

ፕሬዚዳንት ጆሴፍ ማጉፉሊ ኣብ ታንዛኒያ ዝተኣሰሩ ኢትዮጵያውያን ካብ ማእሰርቲ ንምፍታሕ ወሲኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ጆሴፍ ማጉፉሊ ኣብ ታንዛኒያ ዝተኣሰሩ ኢትዮጵያውያን ካብ ማእሰርቲ ንምልቃቕ ምስ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስምዕመዓም ገሊፆም። ክልቲኦም ፕሬዚዳንታት ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ምስተዛተዩ ሓበራዊ መግለፂ ሂቦም።…

ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኣልጄሪያ ሊ ሊያንሄ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ፍሉይ ልኡኽን ፌዴሪኢ ኣብ ኣልጄሪያ ነብያት ጌታቸው ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኣልጄሪያ ሊ ሊያንሄ ተዛቲዮም። እቲ ዘተ ኣብ ምትሕብባር ቻይና ኣፍሪካን ካልኦት ክልተኣዊ ጉዳያትን ዘደሃበ ከምዝነበረ ተገሊፁ።…

ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ብ ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ጆሴፍ ማጉፉሉ ኣቀባብላ ተገይሩለን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ብ ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ጆሴፍ ማጉፉሉ ኣቀባብላ ተገይሩለን። ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ታንዛኒያ ምቕነዐን ይፍለጥ። እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ታንዛኒያ ምስ በፅሓ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ባህላዊ ክዳን…

ኣብ ዘበነ ምህርቲ እዚ ዓመት ልዕሊ 18 ሚሊየን 100 ሺሕን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ንምቕራብ ይስራሕ ኣሎ – ሚኒስቴር ሕርሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2013/2014 ዓ.ም ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 18 ሚሊየን 100 ሺሕን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ንምቕራብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስቴር ኣብ ቀረብ እታወት ሕርሻ ዝምልከት መዳርግቲ ኣካላት ዘሳተፈ መድረኽ ዘተ…

ሕውነት ህዘውቢታት ኦሮሞን ሱማሌን ዘጎልብት መድረኽ ዘተ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ዘተ ሰላምን ልምዓትን ክልላት ኦሮሚያን ሱማሌን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሕውነትን ርክብን ህዝቢታት ክልቲኦም ክልላት ኣብ ምጥንካር ዘተኮረ ከምዝኸውን ተሓቢሩ። ርክብ ክልቲኦም ክልላት ዘጎልብት…