Fana: At a Speed of Life!

144 ኢትዮጵያውያን ካብ ሊባኖስ ናብ ሃገሮም ተፋኒዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)144 ኢትዮጵያውያን ካብ ሊባኖስ ናብ ሃገሮም ከምዝተፋነዎ ቤት ፅሕፈት ቆንፅላ ጄኔራል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቶም ዜጋታት ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ዝነብሩ ዝነበሩ ኢዮም ተባሂሉ። ትማሊ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት 276…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ስራሕቲ ምግጥጣም ንኣንበጣ ዝኸውን ኬሚካል ንምንፃግ ዘገልግላ ሄሊኮፕተራት ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ስራሕቲ ምግጥጣም ንኣንበጣ ዝኸውን ኬሚካል ንምንፃግ ዘገልግላ ሰለስተ ሄሊኮፕተራት ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ። ሰለስቲአን ሄሊኮፕተራት ክሳብ ትማሊ ብምግጥጣም ካብ ማእኸል ፅገና ኣውሮፕላን ከምዝወፅኣ እውን ገሊፁ። እዋናዊን…

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 628 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 6 ሺሕን 333 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 628 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 91 ሺሕን 118…

ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ እናኸደ ከምዝርከብ ቀ/ሚ ኣቢይ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ እናኸደ ከምዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ መተሓባበሪ ኮሚቴ መኣዲ ንሃገር ከምዝተዛተዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ገሊፆም። ነቲ ፕሮጀክት…

ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኦስማን ዲዮን ተዛቲየን። ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ ድማ ኣብ ፕሮጀክት ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ጥዕናን ሃንደበታዊ መልሲ ሓደጋ ቫይረስ ኮሮናን ብባንኪ ዓለም ዝግበር ሓገዝ…

ባህሪታት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ምስ ስርዓተ ምግቢ ዘለዎ መስተጋብር ዝምልከት መፅናዕቲ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ. ሲ)ኢንስቲቲዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ባህሪታት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ምስ ስርዓተ ምግቢ ዘለዎ መስተጋብር ዝምልከት ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ መፅናዕቲ ንምግባር ብዕሊ ኣጀሚሩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ውሽጢ መሐከሚ ማእኸል ፃንሒት ኣብ ልዕሊ ዝነበሮም…

መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት ተመረቕቲ ተምሃሮ ዝቕበላሉ መርሃግብሪ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዘበነ ትምህርቲ 2013 ዓ.ም ንኽቕፅል ብመሰረት ዝተወሰነ ውሳነ መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ቀዳማይ ዙር ተመረቕቲ ተምሃሮ ዝቕበላሉ መርሃ ግብሪ ዕላዊ ኮይኑ። ብመሰረት እዚ፡- 23ን 24ን ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ…

ካፒቴን ቃልኪዳን ግርማ መዓርግ ዋና ኣብራሪት ኤርባስ ኤ-350 ብምርካብ ፈላመይቲ እትዮጵያዊት ጓል ኣንስተይቲ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካፒቴን ቃልኪዳን ግርማ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መዓርግ ዋና ኣብራሪት ኤርባስ ኤ-350 ብምርካብ ፈላመይቲ እትዮጵያዊት ጓል ኣንስተይቲ ኮይና። እቲ መገዲ ኣየር፥ ካፒቴን ቃልኪዳን ንዝበፅሐቶ ብርኪ ዓወት መልእኽቲ እንኳዕ ኣሐጎሰኪ ኣመሓላሊፉ።…

ወ/ሮ ፅዮን ተኩሉ ምስ ኣምባሳደር ሕቡራት ዓሚረታታ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲየን

ኣዲስኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ወይዘሮ ፅዮን ተኩሉ ምስ ኣምባሳደር ሕቡራት ዓሚረታታ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ሙሓመድ ሳሌም ተዛቲየን። ኣብቲ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንትን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት…

ሚኒስትር መዓድንን ነዳዲን ታከለ ኡማ ምስ ኣምባሳደር ኣውስትራሊያ ኣብ ኢትዮጵያ ፒተር ዶይል ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር መዓድንን ነዳዲን ኢንጂነር ታከለ ኡማ ምስ ኣምባሳደር ኣውስትራሊያ ኣብ ኢትዮጵያ ፒተር ዶይል ተዛቲዮም። ኢትዮጵያ ኣብ ትልሚ ምዕባለኣ ትኹረት ካብ ዝገበረትሎም ዓውዲታት ሓደ ልምዓት መዓድን ከምዝኾነ ኢንጅነር ታከለ ኡማ ተዛሪቦም።…