Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 661 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 8 ሺሕን 551 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 661 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።   ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም…

ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ኢፌል ታወር መጥቃዕቲ ቡምባ ክፍፀም ይኽእል ኢዩ ብዝብል ስግኣት ንኽዕፆ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳይ ፓሪስ ዝርከብ ኢፌል ታወር መጥቃዕቲ ቡምባ ክፍፀም ይኽእል ኢዩ ዝብል መልእኽቲ ስልኪ ናብ ፖሊስ ምብፅሑ ስዒቡ እቲ ከባቢ ክዕፆ ተገይሩ። ኣብ ትሕቲ አኢፌል ታወር ዝርከቡ ከባቢታትን ካብ ሩባ ሴን ናብ ፕላዛ ትሮካይዴሮ…

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሰበታ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ተኸዚኑ ዝነበረ ልዕሊ ብር 3 ነጥቢ 7 ሚሊየንን ናይ ወፃኢ ሃገራት ገንዘብን ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሰበታ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ተኸዚኑ ዝነበረ ልዕሊ ብር 3 ነጥቢ 7 ሚሊየንን ናይ ወፃኢ ሃገራት ገንዘብን ተታሒዙ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እታ ከተማ ኣይተ ቀነኒሳ ዳዲ ንፋና ብሮድካስቲንግ…

ፓርቲታት ፖለቲካ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ቅዋማት ስምምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፓርቲታት ፖለቲካ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ቅዋማት ስምምዕነት ከምዝተፈራረሙ ተገሊፁ። እቶም ፓርቲታት፥ ን10 ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም እናተዛተዩ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ 10 ነጥቢታት ምስምዕመዖም ተገሊፁ።…

ኣብ ትግራይ ቋንቋ ግእዝ ብስሩዕ መርሃ ግብሪ ትምህርቲ ክወሃብ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ቋንቋ ግእዝ ብስሩዕ መርሃ ግብሪ ትምህርቲ ንመሃብ ዘኽእል ምድላው ምግባሩ ቢሮ ትምህርቲን ትግራይን ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይን ኣፍሊጦም። ዋና ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶክተር ዳንኤል ተኹሉ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ…

ም/ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ላዕለዎት ኣመራርሓታት እታ ከተማን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ላዕለዎት ኣመራርሓታት እታ ከተማን ኣብ እዋናዊ፣ ሃገራዊን ከተማ ተንከፍ ጉዳያትን ኣድሂቦም ካብ ዓሰርቲአን ክፍለ ከተማታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ተዛቲዮም።…

ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣድላዪ ጥንቃቐ ብምግባር ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ከምዝጅመሩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣድላዪ ጥንቃቐ ብምግባር ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ከምዝጅመሩ ኮሚሽን ስፖርት ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ብዝብል፤ ስፖርታዊ ስልጠናታት፣ ውድድራት ብሓፈሻ ስፖርታዊ…

መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ፅዋዕ ካፍ ሻምፒዮንስ ሊግ ከምዝሳተፍ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሼር ካምፓኒ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ፅዋዕ ካፍ ሻምፒዮንስ ሊግ ጋንታ ፋሲል ከነማ ድማ ኣብ ፅዋዕ ኮንፌዴሬሽን ንኽሳተፉ ከምዝወሰነ ተገሊፁ። ሼር ካምፓኒ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ኣፍሪካ ንኢትዮጵያ…

ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ጊንጪ ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ጊንጪ ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ክፍቲ ከምዝኾነ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ላርሰን ኤንድ ቱርቦ ብዝተብሃለ ኩባኒያ ህንዲ ዝተሃነፀ ባዓል 230/15 ኪሎ ቮልትጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ጊንጪ ንኣገልግሎት ድልዊ ኮይኑ ኣሎ።…

ዶክተር ቴድሮስና ኣድሓኖም ካብ ሞንጎ 100 ፅዕንቶ ፈጠርቲ ዓለም ሓደ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያዊ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስና ኣድሓኖም ኣብ ታይም መፅሄት 2020 ካብ ውሽጢ ፅዕንቶ ፈጠርቲ 100 ሰባት ዓለም ሓደ ኮይኖም። ትውልደ ኢትዮጵያዊያን ዝኾኑ ድምፃዊ ኣቤል ተስፋየ (ዘ ዊክንድ)ን ሰኣሊት ጆሊ…