Fana: At a Speed of Life!

ትካላዊ ሪፎርም እቲ ሕብረት መሰረታዊ ለውጢ ብዘምፅእ መልክዑ እናተወገነ ይርከብ – ሙሳ ፋኪ ማህማት

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)ትካላዊ ሪፎርም ሕብረት ኣፍሪካ መሰረታዊ ለውጢ ብዘምፅእ መልክዑ እናተወገነ ከምዝኾነ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማህማት ገሊፆም። መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ። እቶም ኣቦ መንበር ኣብቲ…

ዓወት ልምዓት ስርናይ ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ብምግቢ ርእሳ ከምትኽእል መረጋገፂ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ስርናይ ዘመዝገበቶ ዓወተት ኣፍሪካ ብምግቢ ርእሳ ከምትኽእል መረጋገፂ ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዲሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም። ዓለም ለኸ ጉባኤ ልምዓት መስኖን ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ መፍረያይነትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ…

ኢትዮጵያ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዝረኣዩ ፀገማት ተበፃሕነት ፋይናንስ ንኽፍትሑ ፃውዒት ኣቕሪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዝረአ ፀገም ተበፃሕነት ፋይናንስ ቅልጡፍ መፍትሒ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ገሊፀን፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኒዮርክ ኣብ ዝተሰናደአ ራብዓይ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ልምዓት ፋይናንስ እናተሳተፈት…

ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ሎሚ መዓልቲ ቀፂሎም ካካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ዙር ካልኣይ መዓልቲ ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ቀፂሎም ክካየዱ ኢዮም፡፡ ብመሰረት ምሸት 2፡45 ጋንታ ቤልጂዬም ክለብ ብሩጅ ምስ ጣልያናዊት ኣታላንታ ክራኸባ ኢየን፡፡ ምሸት ሰዓት 5 ድማ…

መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት አፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ

ዲስ አኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት አፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ፡፡ እቲ ኣኼባ "መከሓሓሲ ፍትሒ ንፍሪካውያንን ዘርኣ-ኣፍሪካውያንን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሃገራት…

ኢትዮጵያን ህንዲን ኣብ ወታደራዊ ዓውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ህንዲን ኣብ ወታደራዊ ዓውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ስምምዕነት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ባንጋሎር ተፈራሪመን፡፡ ኣብ ህንፀት ዓቕሚ፣ መፅናዕቲን ምርምርን ምክልኻ፣ ኢንዱስትሪታት ምክልኻል፣ ድሕንነት ሳይበርን ተተሓሓዝቲ ኣብ ዝኾኑ…

ንተሳተፍቲ ጉባኤ እቲ ሕብረት ሃፍቲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ዘፋልጥ ዲጂታል መፅሄት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ቱሪዝም ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንዝሳተፉ ሃፍቲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ዘፋልጥ ዲጂታል መፅሄት ዕላዊ ገይሩ፡፡ እቲ ዲጂታል መፅሄት ብእንግሊዝኛ፣ ፈረንሳይኛን ዓረብኛን ቋንቋታት ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ሚኒስትር ቱሪዝም…

ኣምባሳደር ብናልፍ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ፍሉይ ልኡኽን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ፌ.ዲ.ሪ.ኢ ብናልፍ ኣንዱአለም ቅዳሕ ደብዳበ ሽመቶም ኣብ ስቴት ዲፓርትመንት ኣሜሪካ ንተጠባባቒ ፕሮቶኮል ሹም ኣቢ ጆንስ ኣቕሪቦም። እቶም ኣምባሳደ ደብዳበ ሽመት ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን ኣብ…

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ማእከላዊ ሪፐብሊክ ኣፍሪካ  ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት 4፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ማእከላዊ ሪፐብሊክ ኣፍሪካ  ሲልቪ ባይፖ ቴሞን ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን። ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካን ዝሳተፉ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ናብ…

ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ናይጄሪያን ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሶማሊያን ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ናይጄሪያ የሱፍ ማይታማ ተገር ዘቲዮም። እቲ ዘተ ኣብ ክልቲኣዊን ኣህጉራዊን ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ። እቶም ሚኒስትራት ኣብ ዘተኦም፥ ኣብ…