Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ኩለመዳይ ስርዓተ ምግቢ ንምፍጣር ይስራሕ ኣሎ – ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ኩለመዳይ ስርዓተ ምግቢ ንምፍጣር ይስራሕ ኣሎ ክብሉ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡ ስርዓተ-ምግቢ ኢትዮጵያ ክሌማዊ ለውጢ ከስዕቦ ዝኽእል ፅዕንቶ ምላሽ ኣብ ምሃብ ትኹረዝ ዝገበረ መድረኽ…

ፀወታ ደርቢ ሰሜን ለንደን ትፅቢት ዝግበረሉ እንትኸውን ትማሊ ድማ ሊቨርፑል፣ ቸልሲን ማንችስተር ሲቲን ነጥቢ ደርቢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትማሊ ኣብ ዝተኻየዱ መበል 21 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚዬር ሊግ እንግሊዝ መሪሕ እቲ ሊግ ሊቨርፑል ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት ተራኺበን 1 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚመን። ዌስትሃም ንፉልሃም 3 ን 2 እንትስዕር፤ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ብሬንትፎርድ ከምኡ…

ዘተኣማምን ቀረብ ነዳዲን ሸቐጣሸቐጥን ንኽህሉ መንግስቲ ልዑል ድጎማ ገይሩ ኢዩ – ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ነዳዲ ሓዊሱ ስትራቴጂክ ዝበሃሉ ሸቐጣሸቐጣት ዘተኣማምን ቀረብ ንኽህልዎም መንግስቲ ልዑል ድጎማ ከምዝገበረ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም። አይተ ኣሕመድ ሽዴ ከምዝበሉዎ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ልዕሊ 267 ቢሊየን ብር ንነዳዲ ድጎማ…

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝነበረ ልዕሊ 28 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲ ተወሪሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝነበረ 28 ሺሕነ 608 ሊትሮ ቤንዚንን ናፍጣን ከምዝወረደ ቢሮ ንግዲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡ ሓላፊት እቲ ቢሮ ወ/ሮ ሃቢባ ሲራጅ፤ ናብታ ከተማ እናቐረበ ኣብ ዝርከብ ቀረብ ነዳዲ፣ ዝርገሐን ከየዲ…

ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ምስኣተኹ ምስ ፑቲን ክዝት እየ ኢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተመራፂ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ስልጣን ምስተረከቡ ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ከምዝዛተዩ ተዛሪቦም፡፡ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ብምዃን ንካልኣይ ግዘ ስልጣን ዝጨበጡ ኣዛራራባይ ትራምፕ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲታት ቃለ-ማሕላ ብምፍፃም ናብ…

ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ዘለዋ ምሕዝነት ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ዘለዋ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ገሊፃ፡፡ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ብዳይሬክተር ሓለዋ ሲቪልን ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝን ሕብረት ኣውሮፓ ጄኔራል…

መንበረ ፀባኦት ቅድስት ስላሴ ካቴድራል ስራሕቲ ሕድሳት ተዛዚሙ ይምረቕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንበረ ፀባኦት ቅድስት ስላሴ ካቴድራል ቤተ ክርስትያን ስራሕቲ ሕድሳት ተዛዚሙ ይምረቕ ኣሎ፡፡ እቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት…

ልምዓት ተፋሰስ ብምስፋሕ ሃፍቲ ሓመድና ንምዕባለ ንምውዓል ምርብራብ ይግባእ – ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልምዓት ተፋሰስ ብምስፋሕ ሃፍቲ ሓመድና ንምዕባለ ንምውዓል ምርብራብ ይግባእ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሃገራዊ ጎስጓስ ዝተዋደደ ልምዓት ተፋሰስ 2017 ዓ.ም ምጅማሩ ኣብሲሮም፡፡…

ትፅቢት ዝግረሎም ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ድሕሪ ፀወታታት ኤፍኤ ካፕን ካራባኦ ካፕን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ክምለስ ኢዩ። መሪሕ እቲ ሊግ ዝኾነት ሊቨርፑልን ኣብዚ ዓመት ዘደንቕ ምንቅስቓስ እናገበረት ትርከብ ኖቲንግሃም ፎረስትን ዘራኽብ ፀወታ ትፅቢት ዝግበረሉ ኢዩ። ኣብ ኣብ…

ዕዳ ኢትዮጵያን ምስ ጥሙር ሃገራዊ ሃፍቲ ዘለዎ ብፅሒት ክትሕት ክብል ምግባር ከምዝተኽኣለ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ለውጢ ዓመታት ብዝተወሰዱ ስጉምቲታት ዕዳ ኢትዮጵያ ምስ ጥሙር ሃገራዊ ፍርያት ዘለዎ ብፅሒት ናብ 13 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ክወርድ ምግባር ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን። እተን ሚኒስትር ኣብ ውፅኢታት መመሓየሺ…